ደቅኹም ኣብ ኣገልግሎት ዕቤት ኪገብሩ ሓግዝዎም
1 ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ካብ ንኣሽቱኦም ኣትሒዞም ኣብ ኣገልግሎት ኪጽመዱ ናይ ምልምማድ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ሓላፍነት እዚ ብብዙሕ መገድታት ኪፍጸም ይከኣል እዩ። ገለ ቘልዑ ምንባብ ቅድሚ ምጅማሮም እውን ከይተረፈ ንገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ብቓሎም ኪወጽዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣብ ሰማዕቲ ብዙሕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። እቶም ቈልዑ እናዓበዩ ምስ ከዱ እሞ ኸኣ: ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። እምበኣርከስ ወለዲ: ንደቅኹም ኣብቲ ዕዮ ምስክርነት ንኺካፈሉ ብኸመይ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ፧ እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
2 ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ከምዚ ኽትብሉ ትኽእሉ:-
◼ “ን[ስማ ጠቒስካ] ጓለይ: ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ሓልዮት ከተርኢ እምህራ ኣለኹ። ሓንቲ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተካፍለካ ደልያ ኣላ።” ብድሕሪኡ ንሳ ኸምዚ ኽትብል ትኽእል:- “ንሰባት ክሕግዘሉ ዝደሊ ሓደ መገዲ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ኣመልኪቱ ዚብሎ ነገራት ብምክፋል እዩ። [እታ ቘልዓ ንራእይ 21:4 ተንብባ ወይውን ብቓላ ትጠቕሳ።] እዘን መጽሔታት እዚኣተን መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብረልና ይገልጻ። እንተደኣ ኣንቢብካየን ናይ ብሓቂ ኽትሕጐሰለን ኢኻ።”
3 ቈልዑ ብቐጻሊ ቕልል ዝበለ ኣቀራርባ ምስ ዚጥቀሙ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግሩ ኸለዉ ምትእምማን ከም ዚሓድሮም ኪገብር ይኽእል እዩ። ንጹርን ግቡእ ናይ ድምጺ ዓቐንን ገይሮም ኪዛረቡ ምልምማድ እውን ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ኪዛረቡ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ንቘልዑ ኣቐዲምካ ብዚግባእ ምድላዎምን ካብ ልቢ ምንኣዶምን እምነቶም ኪገልጹ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።
4 ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕ ስለ እተዋህቦም: ብዙሓት ቈልዑ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዀይኖም ኬገልግሉ በቒዖም እዮም። ደቅና ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዕቤት ኪገብሩ ምርኣይስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!—መዝ. 148:12, 13