መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅ.
ነቲ ኣብ ገበር እታ መጽሔት ዘሎ ሕቶ ድሕሪ ምንባብ: ከምዚ ኢልካ ሕተቶ:- “ብዛዕባ ኣየናይ ምልክት ትገልጽ ከም ዘላ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ማቴዎስ 24:3 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ: ሓሙሽተ ኣገደስቲ መዳያት እዚ ምልክትን ነዚ ምልክት እዚ ምልላዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን ኣርእዮ።
Awake!® Oct. 8
“ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ብዙሕ ጸገማት የስዕብ እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ ጽልዋ ትገልጽ እያ። [ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ።] እዚ ዓንቀጻት እዚ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሑ ሰባት: ካብኡ ብኸመይ ኪገላገሉ ኸም ዚኽእሉን ካልኦት ሰባት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉን ይገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥቅ.
“ብዙሓት ሰባት ንትምህርቲ ኣብ ህይወትካ ዕዉት ንምዃን ዜኽእል ቀንዲ ረቛሒ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንሓደ ሰብ ዝሓሸ ኺገብሮን ኣብ ህይወቱ ዜጋጥሞ ጸገማት ንኺዋጽኣሉን ዚሕግዝ ትምህርቲ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ሮሜ 12:2 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኻብቲ ዝበለጸ ትምህርቲ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ትገልጽ።”
Awake!® Oct. 22
“ብዙሓት ሰባት ዳርጋ መዓልቲ መዓልቲ ጋዜጣ ምንባብ ባህ እዩ ዚብሎም። እቲ ኣብ ጋዜጣታት እንረኽቦ ሓበሬታ ኽንኣምኖ ንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ጋዜጣታት ካብ ምንባብ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ዚገልጽ ሓሳባት ትህብ እያ። ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ነገር ከም ዘሎ እውን ትገልጽ።” ምሳሌ 14:15 ኣንብብ።