ንኻልኦት ከተረድእ ዚሕግዘካ ኽእለት ኣማዕብል
1. ነየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧
1 እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ ዝገበሮ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:16-41 ተመዝጊቡ ዚርከብ መደረ: ንኻልኦት ብኸመይ ከተረድእ ከም እትኽእል ዜርኢ ሰናይ ኣብነት እዩ። ጳውሎስ ድሕረ-ባይታን ኣተሓሳስባን ሰማዕቱ ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ኣቀራርባ ምስኡ ኣሰማምዖ። ነዚ ጸብጻብ እዚ ኽንምርምር ከለና: ንሕናውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብኸመይ ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ከም እንኽእል ንርአ።
2. ካብቲ ጳውሎስ ዘረባኡ ዝጀመረሉ ኣገባብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
2 እትሰማምዓሉ ነጥብታት ኣናዲ:- መልእኽቲ ጳውሎስ ኣብቲ የሱስ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዘለዎ ግደ ዜተኵር እኳ እንተ ነበረ: ዘረባኡ ግን ነዚ ነጥቢ እዚ ብምግላጽ ኣይጀመረን። ኣብ ክንዳኡስ: ምስቶም መብዛሕትኦም ኣይሁድ ዝነበሩ ሰማዕቱ ዜሰማምዖ ነጥቢ: ማለት ብዛዕባ ታሪኽ ኣይሁድ ብምዝራብ እዩ ጀሚሩ። (ግብ. 13:16-22) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ምስቶም ሰባት ዜሰማምዓና ናይ ሓባር ነጥቢ ኽንረክብ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ኣልባብ ሰማዕትና ንምትንካፍ ኣስለጥቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ሕቶታት ብሜላ ብምሕታት ሓሳባቶም ኪገልጹ ምትብባዕን ዝያዳ ዜገድሶም ነገር ንምፍላጥ ጽን ኢልካ ምስማዕን ዚሓትት እዩ።
3. እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ: የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ከም ዝዀነ ንኺኣምኑ ዘጸገሞም እንታይ እዩ፧
3 ጳውሎስ ንሰማዕቱ ታሪኽ ኣይሁድ ኪገልጸሎም ከሎ: ነቲ ኣምላኽ ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት መድሓኒ ኸም ዚውለድ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣዘኻኸሮም። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን ካብ ናይ ሮሜ ጨቋኒ ስርዓት ዜናግፎምን ንይሁዳ ኻብተን ሽዑ ዝነበራ መንግስትታት ጸብለል ከም እትብል ዚገብራን ወተሃደራዊ መራሒ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ከም ዝነጸግዎን ኣሕሊፎም ንሰበ-ስልጣን ሮሜ ኸም ዝሃብዎን ከም ዝቐተልዎን ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ ብኸመይ ኬእምኖም ይኽእል፧
4. ጳውሎስ ንኣይሁዳውያን ሰማዕቱ ብሜላ ዘረድኦም ብኸመይ እዩ፧
4 ኣቀራርባኻ ምስ ኵነታቶም ኣሰማምዓዮ:- ጳውሎስ ኣተሓሳስባ ሰማዕቱ ብምፍላጥ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ድሮ ዚፈልጥዎ መሰረታዊ ነገራት ንኼረድኦም ተጠቕመሉ። ንኣብነት: የሱስ ወዲ ዳዊት ምዃኑን እቲ ኸም ነብዪ ኣምላኽ ዚርኣ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ እውን ብዛዕባኡ ኸም እተዛረበን ነገሮም። (ግብ. 13:23-25) ጳውሎስ: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ብምንጻጎምን ንሞት ኣሕሊፎም ብምሃቦምን ‘ቃል ነብያት ከም ዝፈጸሙ’ ሓበረ። (ግብ. 13:26-28) ብተወሳኺ: የሱስ ካብ ምዉታት ኪትንስእ ከሎ ዝርኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ብምግላጽ: ናብቲ ብትንሳኤ የሱስ እተፈጸመ ንሳቶም እውን ዚፈልጥዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኸም ዜቕልቡ ገበረ።—ግብ. 13:29-37
5. (ሀ) ጳውሎስ ኣቀራርባኡ ምስ ኵነታት እቶም ኣብ ግሪኽ ዝነበሩ ሰማዕቱ ዘሰማምዖ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ዞባና ኽንሰብኽ ከለና: ኣብነት ጳውሎስ ክንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ብኻልእ ሸነኽ: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣቴና ኣብ ዚርከብ ኣርዮስፋጎስ ዝነበሩ ግሪኻውያን ኪዛረቦም ከሎ: ካልእ ኣቀራርባ እዩ ተጠቒሙ። (ግብ. 17:22-31) ኰይኑ ግን: እቲ ኣብዚ ኽልተ ኣጋጣሚታት እዚ ዘቕረቦ መሰረታዊ መልእኽቲ ሕደ እዩ። እቲ ዚገበሮ ጻዕሪ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ጽቡቕ ውጽኢት ኣምጽኣሉ። (ግብ. 13:42, 43፣ 17:34) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ምስ ሰማዕትና ዜሰማምዓና ነጥብታት ነናድን ድሕረ-ባይታኦምን ኣተሓሳስባኦምን ብምፍላጥ ኣቀራርባና ምስ ኵነታቶም ነሰማምዖን እንተደኣ ዄንና: ኣብ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ኣስለጥቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና።