መስተብሃሊ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንሰባት ዜድልዮም ነገራት ብምስትብሃልን ሓገዝ ብምሃብን ዝመጸ መወዳድርቲ የብሎምን። (2 ዜና 16:9፣ ማር. 6:34) ነቶም ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ዜገድሶም ወይ ዜሻቕሎም ነገራት ምፍላጥ: ነቲ ብስራት ንምክፋል እንጥቀመሉ ኣቀራርባ ምስቲ ዅነታት ንኸነሰማምዖ የኽእለና።
2 ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገራት ኣስተብህለሉ:- የሱስ መስተብሃሊ እዩ ነይሩ። (ማር. 12:41-43፣ ሉቃ. 19:1-6) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና ኣብቲ ገዛ ሃይማኖታዊ ምስልታት: ኣብ ማኪና እተለጠፈ ጭርሖታት: ወይ መጻወቲ ቘልዑት ከም ዘሎ እንተደኣ ኣስተብሂልና: ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብስራት ብኣስላጢ መገዲ ንምስባኽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
3 ሓደ ሰብ ኣብ ገጹ ዜርእዮ ምልክታትን ጠባዩን ብዛዕባ ስምዒታቱ ገለ ነገር ኪሕብረና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:13) ዜፍቅሮ ሰብ ስለ ዝሞቶ ወይ ዜጨንቕ ኵነታት ስለ ዘጋጠሞ: ምጽንናዕ ኣድልይዎ ይኸውን። ምስ ኵነታቱ ዚስማማዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ምስ እነንብበሉ: ባህ ኺብሎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 16:24) እቲ ብዓል ቤት ተሃዊኹ እናወጸ ኸሎ ዲና ረኺብናዮ ወይስ ዚበኪ ቘልዓ ሓቝፉ እናኣበደ ኸሎ፧ ኣብ ከምዚ እዋን እንተደኣ ረኺብናዮ: ካልእ ግዜ ተመሊስና ኽንበጽሖ ቘጸራ ምግባር ዝሓሸ እዩ። ኵነታት ሰባት ኣብ ግምት እነእቱን ‘እንድንግጽን’ ብምዃን: እቲ ብዓል ቤት ኣብ ዚመጽእ ግዜ ጽን ኢሉ ኸም ዚሰምዓና ኽንገብር ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 3:8
4 ሓሳባትካ ምስቲ ዅነታት ኣሰማምዓዮ:- ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከተማ ኣቴና “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” እተወፈየ መቕደስ ከም ዘሎ ኣስተብሃለ። እዚ ድማ ነቲ ብስራት ንምስባኽ እተጠቕመሉ ኣገባብ ጸልይዎ እዩ። ነዚ “ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም: ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ” ድማ በሎም። እቲ ብሜላ ዝገበሮ ኣቀራርባ ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪቕበሉን ኣመንቲ ንኪዀኑን ኣለዓዒልዎም እዩ።—ግብ. 17:23, 34
5 ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ: መስተብሃልቲ እንተደኣ ዄንና: ሰባት እንታይ ከም ዜገድሶም ፈሊጥና ኣቀራርባና ምስ ኵነታቶም ከነሰማምዖ ንኽእል ኢና። እቲ ብዓል ቤት ሓሳባቱ ኸም ዚገልጽ ኪገብር ዜኽእል ሕቶታት ተጠቐም። ተገዳስነቱ ኼለዓዕል ዚኽእል ጥቕስታት ኣናዲ። (ምሳ. 20:5) መስተብሃልቲ ምዃንን ንሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይን: ነቲ ብስራት ብውሕሉል ኣገባብ ከነካፍል ይሕግዘና።