ኣገልግሎትና ዜጠቓልሎ ነገራት
1. የሆዋ ንኣገልግሎትና ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ናይ ሰባት ምላሽከ እንታይ እዩ፧
1 ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዓወት ይግስግሱ ኸም ዘለዉ ገይሩ እዩ ዚገልጾም። (2 ቈረ. 2:14-16) እቲ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ንኺረኽቡ እነቕርቦ ፍረ ኸናፍር: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ባህ ዜብል መስዋእቲ እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ብስራት ብጽቡቕ ኪቕበልዎ ኸለዉ: ገሊኦም ግና ይነጽግዎ እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ብስራት ብዙሓት ሰባት ስለ ዝነጸግዎ: ዕዮና ኣይተዓወተን ማለት ኣይኰነን። ኣገልግሎትና እንታይ ከም ዜጠቓልል እስከ ንርአ።
2. ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እንታይ ከነንጸባርቕ እዩ ዜኽእለና፧
2 ንየሆዋ ልዕል የብሎ:- ሰይጣን ሰባት ንየሆዋ ብስስዐ ተደሪኾም እዮም ዜገልግልዎ ኢሉ እዩ ዚማጐት። (እዮ. 1:9-11) ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ናይ ሓቂ ምዃኑ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ጸገማት እናሃለዎም ወይ ዘይግደሱ ሰባት እናኣጋጠምዎም ክነሶም: ነቲ ኺሰብኩን ደቀ-መዛሙርቲ ኺገብሩን እተዋህቦም ትእዛዝ ይሕልዉ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብተኣማንነት ጸኒዕካ ምቕጻል ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስ እዩ።—ምሳ. 27:11
3. ስም ኣምላኽን ዕላማኡን ወትሩ ኸነፍልጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
3 ኣገልግሎትና ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም እውን ተራ ኣለዎ። የሆዋ ምስቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዚህሉ ጥፍኣት ናይ ሰይጣን ዓለም ብምትሕሓዝ: “እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ” NW] . . . ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” በለ። (ህዝ. 39:7) እቶም ህዝብታት እዚ ምእንቲ ኺፈልጡ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ብዛዕባ ስምን ዕላማን ኣምላኽ ኪእውጁሎም ኣለዎም።—ራእ. 14:6, 7
4. ዕዮ ስብከት ንፍርዲ መሰረት ኰይኑ ዜገልግል ብኸመይ እዩ፧
4 ንፍርዲ መሰረት ይኸውን:- ብስራት ምስባኽ ንፍርዲ ዚኸውን መሰረት እውን የንብር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሰባት ሕነ ኺፈዲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (2 ተሰ. 1:8, 9) ሰባት ነቲ ወንጌል ወይ ብስራት ብዜርእይዎ ምላሽ ኪፍረዱ እዮም። እዝስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ረዚን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ዚሕብር ኰን እዩ! ናይ ደም ገበነኛታት ምእንቲ ኸይንኸውን: ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ እታ መንግስቲ ኸም ዚፍለጥ ካብ ምግባር ድሕር ክንብል የብልናን።—ግብ. 20:26, 27
5. ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ እዩ ዚንጸባረቕ፧
5 እቲ ጐረባብትና ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢልና ንምሕጋዞም እንገብሮ ጻዕሪ: መግለጺ ምሕረት የሆዋ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ሰባት ኵነታቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኸም ዚቀያየር ስለ እንፈልጥ ኢና ናብ ቤቶም ብተደጋጋሚ እንኸይድን ግዜ ኸሎ ንኣምላኽ ኪደልዩ እነተባብዖምን። ከምዚ ብምግባር: “ርሕሩሕ ምሕረት” እቲ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኣምላኽና ነንጸባርቕ።—ሉቃ. 1:78፣ 2 ጴጥ. 3:9
6. ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ምዃን ብኸመይ እዩ ኺጠቕመና ዚኽእል፧
6 ንገዛእ ርእስና ይጠቕመና:- ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕዙዛት ምዃንና: ዕቝባ እዩ። ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ንኸነቀላጥፍን’ በዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ከይንረክስን ይሕግዘና። (2 ጴጥ. 3:11-14፣ ቲቶ. 2:11, 12) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥና: ‘ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይንነቓነቕ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ንኹን።’—1 ቈረ. 15:58