ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/05 ገጽ 4
  • ኣገልግሎትና ዜጠቓልሎ ነገራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣገልግሎትና ዜጠቓልሎ ነገራት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ነቲ ብስራት ብሃንቀውታ ኣውጅ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትጸንዕ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይሃልኹም!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 11/05 ገጽ 4

ኣገልግሎትና ዜጠቓልሎ ነገራት

1. የሆዋ ንኣገልግሎትና ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ናይ ሰባት ምላሽከ እንታይ እዩ፧

1 ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዓወት ይግስግሱ ኸም ዘለዉ ገይሩ እዩ ዚገልጾም። (2 ቈረ. 2:14-16) እቲ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ንኺረኽቡ እነቕርቦ ፍረ ኸናፍር: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ባህ ዜብል መስዋእቲ እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ብስራት ብጽቡቕ ኪቕበልዎ ኸለዉ: ገሊኦም ግና ይነጽግዎ እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ብስራት ብዙሓት ሰባት ስለ ዝነጸግዎ: ዕዮና ኣይተዓወተን ማለት ኣይኰነን። ኣገልግሎትና እንታይ ከም ዜጠቓልል እስከ ንርአ።

2. ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እንታይ ከነንጸባርቕ እዩ ዜኽእለና፧

2 ንየሆዋ ልዕል የብሎ:- ሰይጣን ሰባት ንየሆዋ ብስስዐ ተደሪኾም እዮም ዜገልግልዎ ኢሉ እዩ ዚማጐት። (እዮ. 1:9-11) ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ናይ ሓቂ ምዃኑ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ጸገማት እናሃለዎም ወይ ዘይግደሱ ሰባት እናኣጋጠምዎም ክነሶም: ነቲ ኺሰብኩን ደቀ-መዛሙርቲ ኺገብሩን እተዋህቦም ትእዛዝ ይሕልዉ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብተኣማንነት ጸኒዕካ ምቕጻል ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስ እዩ።—ምሳ. 27:11

3. ስም ኣምላኽን ዕላማኡን ወትሩ ኸነፍልጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣገልግሎትና ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም እውን ተራ ኣለዎ። የሆዋ ምስቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዚህሉ ጥፍኣት ናይ ሰይጣን ዓለም ብምትሕሓዝ: “እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ” NW] . . . ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” በለ። (ህዝ. 39:7) እቶም ህዝብታት እዚ ምእንቲ ኺፈልጡ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ብዛዕባ ስምን ዕላማን ኣምላኽ ኪእውጁሎም ኣለዎም።—ራእ. 14:6, 7

4. ዕዮ ስብከት ንፍርዲ መሰረት ኰይኑ ዜገልግል ብኸመይ እዩ፧

4 ንፍርዲ መሰረት ይኸውን:- ብስራት ምስባኽ ንፍርዲ ዚኸውን መሰረት እውን የንብር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሰባት ሕነ ኺፈዲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (2 ተሰ. 1:8, 9) ሰባት ነቲ ወንጌል ወይ ብስራት ብዜርእይዎ ምላሽ ኪፍረዱ እዮም። እዝስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ረዚን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ዚሕብር ኰን እዩ! ናይ ደም ገበነኛታት ምእንቲ ኸይንኸውን: ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ እታ መንግስቲ ኸም ዚፍለጥ ካብ ምግባር ድሕር ክንብል የብልናን።—ግብ. 20:26, 27

5. ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ እዩ ዚንጸባረቕ፧

5 እቲ ጐረባብትና ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢልና ንምሕጋዞም እንገብሮ ጻዕሪ: መግለጺ ምሕረት የሆዋ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ሰባት ኵነታቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኸም ዚቀያየር ስለ እንፈልጥ ኢና ናብ ቤቶም ብተደጋጋሚ እንኸይድን ግዜ ኸሎ ንኣምላኽ ኪደልዩ እነተባብዖምን። ከምዚ ብምግባር: “ርሕሩሕ ምሕረት” እቲ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኣምላኽና ነንጸባርቕ።—ሉቃ. 1:78፣ 2 ጴጥ. 3:9

6. ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ምዃን ብኸመይ እዩ ኺጠቕመና ዚኽእል፧

6 ንገዛእ ርእስና ይጠቕመና:- ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕዙዛት ምዃንና: ዕቝባ እዩ። ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ንኸነቀላጥፍን’ በዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ከይንረክስን ይሕግዘና። (2 ጴጥ. 3:11-14፣ ቲቶ. 2:11, 12) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥና: ‘ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይንነቓነቕ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ንኹን።’—1 ቈረ. 15:58

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ