ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/06 ገጽ 1
  • ‘ስዓቡኒ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ስዓቡኒ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኻልኦት ብምግልጋል፡ ንየሱስ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ንየሱስ ብዘይ ምቍራጽ ስዓቦ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 5/06 ገጽ 1

‘ስዓቡኒ’

1 ብዙሓት ሰባት ኣብ ዜሐጕሶም ነገራት ዜተኵሩ እኳ እንተዀኑ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሕጕሳት ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ ግን የሱስ: ብዘይ ስስዐ እናሃብካ ምንባር ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዜምጽእ እዩ ምሂሩ። (ግብ. 20:35) “ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ: ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ: . . . እሞ ይስዐበኒ” ድማ በለ። (ማር. 8:34) እዚ ሓሓሊፍካ እተወሰነ ዜሐጕሰካ ነገር ምሕዳግ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንገዛእ ርእስና ዘይኰነስ: ንየሆዋ ኸነሐጕስ ኣሎና ማለት እዩ።—ሮሜ 14:8፣ 15:3

2 ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ርአ። ጳውሎስ “ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ” ኢሉ: ናይ ብሕቱ ድሌት ገዲፉ ገዛእ ርእሱ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ወፈያ። (ፊል. 3:7, 8) “ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ” በለ። (2 ቈረ. 12:15) ኵልና: ‘ንግዜይ: ሓይለይ: ክእለተይ: ከምኡውን ጥሪተይ ብኸመይ እየ ዝጥቀመሉ ዘለኹ፧ ጥቕሚ ርእሰይ ኣብ ምቕዳም ድየ ዘተኵር ወይስ ንየሆዋ ኸሐጕስ እየ ዝጽዕር ዘለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይግባእ።

3 ክንህበሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት:- ህዝቢ ኣምላኽ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ። ኣብ ጉባኤ: ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ንኻልኦት ዚጠቅም እተፈላለየ ነገራት ይዓዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምስፋሕ ምስ ዓበይቲ ኣኼባታት ከምኡውን ምስ ምህናጽን ምትዕርራይን ህንጻታት እተተሓሓዘ ብዙሕ ዕዮታት ተዓሚሙ እዩ። ብዛዕባ እቶም ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተታትን ሕሙም ዚበጽሕ ጕጅለታትን ዚሰርሑ ኣሕዋት ዚህብዎ ፍቕራዊ ሓገዝ እሞ ሕስብ ኣብል! ኵሉ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ ዚግበር ጻዕርታት ነቲ ክርስትያናዊ ሕውነትና ዓብዪ በረኸት እዩ።—መዝ. 110:3

4 ዕንወት ወይ ህጹጽ ረድኤት ዜድልየሉ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ እውን ሓገዝ ክንህበሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሓደ ክርስትያን ብጻይና ሓገዝ ወይ ምትብባዕ ከም ዜድልዮ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። (ምሳ. 17:17) ገዛእ ርእስና ንኻልኦት ንምግልጋልን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን ክንውፊ ኸለና: ኣብነት የሱስ ኢና ንስዕብ ዘሎና። (ፊል. 2:5-8) ሃየ እምበኣር: ወትሩ ኣብነቱ ንምስዓብ ንጽዓር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ