ንሰባት ብምንኣድ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ካብ ልቢ ዝነቐለ ናእዳ ንሰባት የተባብዖም: ስጕምቲ ንኺወስዱ ይድርኾም ከምኡውን የሐጕሶም። ብዙሓት ኣስፋሕቲ: ኣብ ኣገልግሎት እትሰምዕ እዝኒ ንምርካብ ሕጽር ዝበለ ናይ ሓቂ ናእዳ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንሰባት ብስራት ክንነግሮም ከለና ብኸመይ ክንንእዶም ንኽእል፧
2 መስተብሃሊ ኹን:- እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ የሱስ ክርስቶስ: ንጽቡቕ ግብሪ እተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ማሕበራት ኣስተብሂሉሉ እዩ። (ራእ. 2:2, 3, 13, 19፣ 3:8) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ኣብቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ዘሎና ናይ ሓቂ ተገዳስነት: ክንንእደሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ንኽንረክብ ኬለዓዕለና እዩ። ንኣብነት: ብጽፈት እተታሕዘ ቐጽሪ: ንውሉዳቱ ፍቕሪ ዜርኢ ወላዲ ወይ ፍሽኽ ኢሉ ሰላም ዚብል ብዓል ቤት ክንርኢ ኸለና ኽንንእደሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ንምንኣድ ትጥቀመሉዶ፧
3 ጽን በሃሊ ኹን:- ክትሰብኽ ከለኻ: ሰባት ስምዒቶም ኪገልጹ ዜኽእሎም ዚሰማማዕ ሕቶታት ተጠቐም። ነቲ ዚብልዎ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ኣኽብሮት ኣርእዮም። (ሮሜ 12:10) ከምዚ ብምግባር ናይ ሓቂ ናእዳ ኽትህበሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ኽትረክብን ኣብቲ ድሮ እተሰማማዕኩምሉ ነጥብታት ክትመያየጥን ትኽእል ኢኻ።
4 መስተውዓሊ ኹን:- እቲ ብዓል ቤት ምስ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ሓሳባት ምስ ዚዛረብ እንታይ ክንገብር ይግባኣና፧ ብዛዕባ እቲ እተዛረቦ ጌጋ ሓሳባት ኣብ ክንዲ ምክታዕ: “ብዛዕባዚ ብዙሕ ሓሲብካ ኸም እትፈልጥ ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ” ብምባል ሓሳባቱ ኺገልጽ ብምኽኣሉ ኸተመስግኖ ትኽእል ኢኻ። (ቈሎ. 4:6) እቲ ሰብ ዋላውን ተኻታዒ እንተዀነ: ኣብቲ ጕዳይ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ብምርኣዩ ኽንንእዶ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ልዙብ ኣቀራርባ: ነቲ ብስራት ኣትሪሩ ንዚቃወም ሰብ እውን ከይተረፈ ኺልውጦ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 25:15
5 ናእዳና ፍረ ምእንቲ ኺርከቦ ናይ ሓቂ ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃናጺ ኣዘራርባ ምጥቃም ንየሆዋ የኽብር: ንኻልኦት ድማ ናብቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሰሓቡ ይገብር።