ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/06 ገጽ 4
  • ክትዕደል ዘለዋ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትዕደል ዘለዋ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ሕዳር እትዕደል ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ኣብ ፈጣሪ ናይ ደቂ ሰብ እምነት ምህናጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ናይ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ንምርካብ ዓንቀጻት ምረጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ምዕዳል መጽሔት ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትቅይሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 8/06 ገጽ 4

ክትዕደል ዘለዋ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ!

1 ዳርጋ ዅሉ ሰብ እዩ ድምጺ ዚዝምራ ኣዕዋፍን ትርኢት ዕራርቦ ጸሓይን ደስ ዚብሎ። ብዙሓት ግን ነዚ ነገራት እዚ ሓደ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ ኸም ዝፈጠሮ ኣፍልጦ ኣይህቡሉን እዮም። ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! ብምዝርጋሕ የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ ናይ ምምስካር ፍሉይ ኣጋጣሚ ኺህልወና እዩ። (ኢሳ. 40:28፣ 43:10) እታ ናይ መስከረም ሕታም ንቕሑ! ብምልእታ “ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧” ንዚብል ኣርእስቲ ኽትገልጽ እያ።

2 ኣብ ክልኻ:- ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ምስ ጉባኤኻ ሓቢርካ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ክትሳተፍ መድብ። ልክዕ እዩ: ነዛ ፍልይቲ ሕታም እዚኣ ኣብ ካልእ መዓልትታት እውን ክትዕድላ ትኽእል ኢኻ። ብፍላይ ንመምህራንን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ንዚሰርሑ ኻልኦት ሰባትን እተገድስ ሕታም እያ። ስለዚ: ነቶም ኣብ ክልኻ ዚርከቡ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምርካብ ፍሉይ መሰናድዎ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

3 ሓደ ሰብ ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ: ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ እትምልሰሉ ሕቶ ሕተቶ። ንኣብነት: ሓደ ፈቃር ፈጣሪ እዚ ዅሉ ስቓይ ኪህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ምዕራፍ 1 ወይ ምዕራፍ 11 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ወይ እውን ፈጣሪ ንምድሪ ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ሕቶ ብምሕታት: ኣብ ካልኣይ ምምላስካ ንምዕራፍ 3 ኽትመያየጠላ ትኽእል ኢኻ።

4 ኣብ ቤት ትምህርቲ:- ተመሃራይ እንተ ደኣ ዄንካ: ንመምህራንካን መማህርትኻን ነዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኸም ህያብ ንምንታይ ዘይትህቦም፧ ቅዳሕ እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ሰደቓኻ ምቕማጥ ጥራይ እውን ብዛዕባ እምነትና ሕቶታት ኬልዕል ይኽእል እዩ። ኣብ ክፍሊ ኣብ ዚግበር ምምይያጥ ከምኡውን ቴማ ኣብ እተዳልወሉ እዋን ንእምነትካ ንኽትጣበቕ ዚሕግዝ ሓበሬታታት ክትረኽበላ ትኽእል ኢኻ። እዛ ሕታም እዚኣ: ክትሕግዘካ ተባሂሉ ኣብቲ “መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታት” ዚብል ዓምዲ: “ብዛዕባ ፍጥረት ንዘሎኒ እምነት ብኸመይ ክጣበቐሉ እኽእል፧” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ሒዛ ኣላ።

5 የሆዋ ስለቲ ዝፈጠሮ ዅሉ ፍጥረታት ክብርን ስብሓትን ይግብኦ እዩ። (ራእ. 4:11) ነታ ናይ መስከረም ሕታም ንቕሑ! ብውዕዉዕ መንፈስ ብምዕዳል: ንፈጣሪና ኸነኽብሮን ካልኦት ንኬኽብርዎ ኽንሕግዞምን ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ