ብዘይ ኣድልዎ ብምስባኽ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ ሓደ መልኣኽ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ናይ ዘለኣለም ወንጌል ወይ ብስራት ኪሰብከሎም ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ረኣየ። (ራእ. 14:6) ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ብምስባኽ ኣብነት እቲ መልኣኽ ንስዕብ ዲና፧ ከይተፈለጠና ንሰባት ብሕማቕ ክንርእዮም ወይ ከነዳሉ ንኽእል ኢና። ነቶም እንረኽቦም ሰባት ዘሎና ኣረኣእያ: ነቲ ብስራት እነቕርበሉ ኣገባብ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ: እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ክንሰብኽ ከሎና: ናይ ሓቂ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከነርኢ ኣሎና።
2 ክልኻ ኣብ ግምት ኣእቱ:- ኣብ ክልኻ ኻብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ተቐማጦ ኣለዉዶ፧ ንኣብነት ኣብ ክልና ሓያሎ ቻይናውያን ኣብ እተፈላለየ ፕሮጀክት ይሰርሑ ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብቐሊሉ ሸለል ኪበሃሉ ይኽእሉ እዮም። ንኽትረኽቦምን ብዝያዳ ንኽትፈልጦምን ተበግሶ ውሰድ። ዜድልዮምን ዜሻቕሎምን: ዚፈትውዎን ዚጸልእዎን: ዜጨንቖምን ዘይፍተዎምን ነገራት እንታይ እዩ፧ ኣቀራርባኻ ምስቲ ዅነታት ከተሰማምዖ ጽዓር። (1 ቈረ. 9:19-23) ንሕና እውን ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ኣብ ክልና ንዘለዉ ዅሎም ሰባት: እንተላይ ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ: እተፈልየ ባህሊ ዘለዎም: ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ: ከምኡውን ነቶም ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ንኸነብጽሓሎም ግዴታ ኺስምዓና ኣለዎ።—ሮሜ 1:14
3 ካልእ ቋንቋ ንዚዛረብ ሰብ ደኣ እሞ ብኸመይ ክትምስክረሉ ትኽእል፧ ነታ ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዚግባእ ተጠቐመላ። ኣብ ክልኻ ብሰፊሑ ብዚዝረብ ቋንቋ እተዳለወ ትራክትታትን ብሮሹራትን ተማላእ። (ናይ ሓምለ 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ቍ. 2-3 ርአ።) ብተወሳኺ: ገለ ኣስፋሕቲ ብኻልእ ቋንቋ ብኸመይ ሰላምታ ኸም ዚለዋወጡን ቀሊል ኣቀራርባ ኸም ዚጥቀሙን ንኺመሃሩ ኣበርቲዖም ጽዒሮም እዮም። ሰባት ዋላ እውን ነቲ ቛንቋኦም እንተ ዘይመለኽካዮ: ብቛንቋኦም ክትዛረቦም ክትፍትን ከለኻ ስለ ዚምሰጡ: ነቲ ብስራት ንኺሰምዑ ኺስሕቦም ይኽእል እዩ።
4 ንየሆዋ ምሰሎ:- እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ነቲ መልእኽቲ ብምብጻሕ: ነቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” ኣድልዎ ዘይብሉ ኣምላኽና የሆዋ ንመስል ኢና።—1 ጢሞ. 2:3, 4