ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/06 ገጽ 8
  • ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኣሎካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኣሎካዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ሰባት ኣብ ቤቶም ምስ ዘይጸንሑና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 12/06 ገጽ 8

ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኣሎካዶ፧

1. ናይ ብሕቲ ኽሊ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

1 ናይ ብሕቲ ኽሊ ኺበሃል ከሎ ንዓኻ እተመደበ ኽሊ ማለት እዩ። ቀልጢፍካ ኽትበጽሖን በይንኻ ወይ ምስ ካልእ ኣስፋሒ ዄንካ ኽትሰብከሉን ዚምሽእ ቦታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብእተኻእለካ መጠን ነቲ ብጉባኤ ዚግበር ብጕጅለ ዄንካ ናይ ምምስካር መሰናድዎ ምድጋፉ ጠቓሚ እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እትሰብከሉ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ምህላው ግን: ብፍላይ ኣብተን ዓብዪ ኽሊ ዘለወን ጉባኤታት: ምሉእ ምስክርነት ክትህብ የኽእለካ እዩ።—ግብ. 10:42

2. ናይ ብሕቲ ኽሊ ኻብ ምህላው ዚርከብ ገለ ረብሓታት እንታይ እዩ፧

2 ረብሓታት:- ገሊኦም ኣብ ናይ ምሳሕ ሰዓታት ወይ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደሱ: ኣብቲ ኣብ ጥቓ ስርሖም ዚርከብ ናይ ብሕቶም ክሊ: ምስባኽ ተወሳኺ ጥቕምታት ረኺቦምሉ እዮም። ካልኦት ድማ ብደረጃ ስድራቤት ኣብ ጐረባብቶም የገልግሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ከባቢኦም ይረኽቡ፣ ጻዕሪ: ግዜ: ከምኡውን ወጻኢታት ድማ ይቝጥቡ። ናይ ብሕትኻ ኽሊ ምህላው: ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ክትዓምም ስለ ዚሕግዘካ: ንገሊኦም ሓሓሊፎም ሓገዝቲ ፈለምቲ ወይ ከኣ ስሩዓት ፈለምቲ ኪዀኑ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: ኣብ ናይ ብሕትና ኽሊ ምግልጋልናን ምስቶም ሰብ ቤት ኣጸቢቕና ምፍላጥናን: ንኺኣምኑና ኸምኡውን ኣቀራርባና ምስቲ ዜሻቕሎም ነገር ብምስምማዕ ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ንኽንከውን ይሕግዘና።

3. ተመክሮ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኽሊ ዘለዋ ፈላሚት ኣዘንቱ።

3 ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኽሊ ኺህልዋ ብሓላው ወረዳ ምትብባዕ እተዋህባ ፈላሚት ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “ነቲ ምኽሪ ተቐበልክዎ: ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ነቶም ኣብ ክለይ ዘለዉ ሰባት ኣጸቢቐ ተፋለጥኩን ተመሓዘኹን። ኣብቲ ንዕኦም ዚጥዕሞም ግዜ ንኽበጽሖም መደባተይ ኣተዓራረኹ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ኣብ ሓደ ወርሒ ዝገበርክዎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ካብ 35 ናብ 80 ወሰኸ: ሸውዓተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ረኸብኩ።”

4. ናይ ብሕትኻ ኽሊ ብኸመይ ክትረክብን ክትዓዮን ትኽእል፧

4 ብኸመይ ኪህልወካ ይኽእል፧ ናይ ብሕቲ ኽሊ ኺህልወካ እንተ ደኣ ደሊኻ: ነቲ ኣገልጋሊ ኽሊ ሕተቶ። ካልእ ኣስፋሒ ምሳኻ ዀይኑ ኣብቲ ኽልኻ ኼገልግል ንምሕታት ኣይትሰከፍ፣ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብካዮም ድማ ኣብ መዝገብካ ኣስፍሮም። ንኽልኻ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ኽትሽፍኖ ጽዓር። ከምዚ ኽትገብር እንተ ዘይክኢልካ: ነቲ ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ወይ ንኻልእ ኣስፋሒ ኺሕግዘካ ሕተቶ። ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ወርሒ: ነታ ኽሊ እንተ ደኣ ሸፊንካያ ኽትመልሳ ወይ ከም ብሓድሽ ክትዓያ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንሓንቲ ኽሊ ንዘይተወሰነ ግዜ ሒዝካያ ስቕ ክትብል ግን ኣይግባእን: ካልኦት ምእንቲ ኺዓዪዋ ምለሳ። ኣብተን እተወሰነ ኽሊ ዘለወን እሞ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኽትረክብ ድማ ዜጸግመካ ጉባኤታት እንተ ደኣ ኣለኻ ዄንካ: ገለ ኽፋል እቲ ኽሊ ኺህበካ ነቲ ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

5. ነቲ ንኽንሰብኽ እተዋህበና ዕዮ ንኽንፍጸም እንታይ የድሊ፧

5 እቲ “ኣብ ብዘላ ዓለም” ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ቀሊል ዕዮ ኣይኰነን። (ማቴ. 24:14) ጽቡቕ ምትሕብባር የድሊ። ኣብ ርእሲ እቲ ብጕጅለ ዚግበር ምስክርነት: ኣብ ናይ ብሕት ኽሊ ምስባኽና እቲ ብስራት ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ከነብጽሓሎም ይሕግዘና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ