ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት የሆዋ ኽንውፊ ሕጉሳት ኢና!
1 ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ኺፍጽም ‘ኵሉ ኺውፊ’ ሕጉስ እዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 12:15) ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ክርስትያናት: ፈለምቲ ዀይኖም ብትግሃት ይዓዩ ኣለዉ። ከቢድ ሓላፍነታት ስድራቤት ዘለዎም ካልኦት ድማ ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ዀኑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ንኺካፈሉ ግዜ ይምድቡ እዮም። ገሊኦም ድማ ከቢድ ጸገማት ጥዕና ኸለዎም: ነቲ ድሩት ጕልበቶም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ይጥቀሙሉ። ህዝቢ የሆዋ ዕድሚኦም ወይ ኵነታቶም ብዘየገድስ ገዛእ ርእሶም ንኣገልግሎት የሆዋ ኺውፍዩ ምርኣይስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!
2 ፍቕሪ ንብጻይ:- ንኣምላኽን ንብጻይናን ብምፍቃር ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለና ዅሉ ምስ እንገብር: ንጹህ ሕልና ይህልወና። ጳውሎስ እቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ገዛእ ነፍሱ እውን ከይተረፈ ስለ ዘካፈለ: “ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም አሎኹ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ግብ. 20:24, 26፣ 1 ተሰ. 2:8) ኵነታትና ብዝፈቐደልና መጠን ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል: ናይ ደም ገበነኛታት ካብ ምዃን ኬናግፈና እዩ።—ህዝ. 3:18-21
3 ንኻልኦት ክንሕግዝ ኣበርቲዕና ምስ እንዓዪ: ሓጐስ ኢና እንረክብ። (ግብ. 20:35) ሓደ ሓው: “ንየሆዋ ኸገልግል ውዒለ ምሸት ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ: ልክዕ እዩ ድኻም ይስምዓኒ እዩ። እንተዀነ ግን ሕጉስ እየ: ዋላ ሓደ ኽምንዝዓኒ ዘይክእል ሓጐስ ስለ ዝሃበኒ እውን ንየሆዋ አመስግኖ እየ” በለ።
4 ፍቕሪ ንኣምላኽ:- ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት የሆዋ ኽንውፊ ዚድርኸና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ምኽንያት: ከምዚ ምግባር ንሰማያዊ ኣቦና ስለ ዜሐጕሶ እዩ። ፍቕሪ ንኣምላኽ ነቲ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዜጠቓልል ትእዛዛቱ ኽንሕሉ የለዓዕለና። (1 ዮሃ. 5:3) ሰባት ዘይግደሱ ወይ ተጻረርቲ ምስ ዝዀኑ እውን ከይተረፈ: ንየሆዋ ኢልና ብሓጐስ ኣበርቲዕና ምዕያይ ንቕጽል ኢና።
5 ሕጂ እንሕለለሉ ግዜ ኣይኰነን። ኣብ እዋን ዓጺድ ኢና እንነብር ዘለና። (ማቴ. 9:37) ሓደ ሓረስታይ ኣብ እዋን ቀውዒ እኽሉ ቕድሚ ምብልሻዉ ንኺእክቦ ውሱን ግዜ ስለ ዘለዎ ነዊሕ ሰዓታት እዩ ዚዓዪ። ንመንፈሳዊ ቐውዒ ተሪፉዎ ዘሎ ግዜ እውን ውሱን እዩ። ነዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ኵልና ብእተኻእለና መጠን ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት የሆዋ ምውፋይ ንቐጽል።—ሉቃ. 13:24፣ 1 ቈረ. 7:29-31