ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/07 ገጽ 1
  • ንድኻታት ተስፋ ሃቦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንድኻታት ተስፋ ሃቦም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብነት የሱስ ስዓብ ንድኻታት ከኣ ሕለየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ድኽነት ዘይብላ ዓለም ቀሪባ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ድኽነት
    ንቕሑ!—2015
  • ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 10/07 ገጽ 1

ንድኻታት ተስፋ ሃቦም

1 የሱስ ንድኻታት ፍሉይ ተገዳስነት ነበሮ። ብተኣምራዊ መገዲ ስጋዊ ሓገዝ ዝገበረሉን ንሕሙማት ዘሕወየሉን ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበረ: እቲ ቐንዲ ኣትኵሮኡ ግን ንድኻታት “ወንጌል” ምስባኽ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 11:5) ሎሚ እቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንድኻታት ይኹን ንኻልኦት ሰባት ይጠቅም ኣሎ።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20

2 ናይ ሓቂ ተስፋ:- ኣገልገልቲ ህዝበ-ክርስትያን ነቶም ድኻታት ንቤተ-ክርስትያን ብልግሲ እንተ ደኣ ወፍዮም ከም ዚብልጽጉ ብዙሕ ግዜ የተስፍውዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንድኽነትን ንዅሉ ጸገማት ደቅሰብን መወዳእታ እትገብረሉ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና እዩ ዚምህር። (መዝ. 9:18፣ 145:16፣ ኢሳ. 65:21-23) ንድኻታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ብምርኣይ ተስፋ ነስንቖም: ዜድልዮም መንፈሳዊ ነገራት ኬዕግቡ ድማ ንሕግዞም።—ማቴ. 5:3 NW

3 ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ንድኻታት “ኣምሃረትስ” ወይ “ህዝቢ እታ ሃገር” ኢሎም ብንዕቀት ይጽውዕዎም ነበሩ። የሱስ ግን ን“ደሞም” ወይ ንህይወቶም ‘ኣኽቢሩ’ ይርእዮ ነበረ። (መዝ. 72:13, 14) ሕያዎትን ደንገጽትን ብምዃን ንየሱስ ክንመስሎን ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ድኻታት ‘ክንርሕርሓሎምን’ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 14:31) ነቶም ኣብ ድኽነት ዘለዎ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ከነነኣእሶም ወይ ኣብ ክንዲ እንምስክረሎም ክንጐስዮም ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። ብዙሓት ካብቶም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ዚህቡሉ ዘለዉ ሰባት ድኻታት እዮም።

4 ንድኻ ሓግዞ:- ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ድኻታት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር: ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተ ዀነ ነቲ ድኽነት ዜምጽኦ ሳዕቤናት ንምንካይ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ድኽነት ዜምጽእ ዚገብር ከም ስኽራን: ምጥላዕ: ትህኪት: ትንባኾ ምጥቃም: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ልማዳት ይዅንን እዩ። (ምሳ. 6:10, 11፣ 23:21፣ 2 ቈረ. 7:1፣ ኤፌ. 5:5) ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ደግነት ወይ ቅንዕና ኸምኡውን “ካብ ልቢ” ምዕያይ ዝኣመሰለ ኻብ ሰራሕተኛታት ዚድለ ባህርያት የተባብዕ። (ቈሎ. 3:22, 23፣ እብ. 13:18) ኣብ ሓደ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም እተራእየ: መብዛሕትኦም ኣስራሕቲ: ሰራሕተኛታት ኪቘጽሩ ኸለዉ ልዕሊ ዅሉ ዚደልይወን ባህርያት ቅንዕናን ንጽህናን እየን።

5 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ድኻታት ዜሕልፍዎ ዘለዉ ሽግር ይግደስ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሓጺር ግዜ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻ” ኬናግፎ እዩ። (መዝ. 72:12) ክሳዕ ሽዑ ግን ንድኻታት እውን ሓዊስካ ንሰባት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ጌርካ ናይ ምጽንናዕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ