ሃብታም ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
1. ስሩዕ ፈላሚ ምዃን ክትሓስበሉ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧
1 ዝዓበየ ሓጐስን ኣሳልጦን ክትረክብ ትደሊዶ፧ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ባህታን ዕግበትን ትረክብዶ፧ ነቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ከተዛይዶ ትብህግዶ፧ ካብዘን ሕቶታት እዚኣተን እወ ኢልካ እንተ መሊስካ: ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ክትሓስበሉ ኣሎካ። ርግጽ እዩ: ናይ ስድራ ቤት ይኹን ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ከምኡውን ጥዕናውን ኣካላውን ጸገማት ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ።
2. ገለ ኻብቲ ስሩዓት ፈለምቲ ዚረኽብዎ መንፈሳዊ ሃብቲ ጥቐስ።
2 ሰሎሞን: ኣብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ንበረኸት የሆዋ ምስ ስጋዊ ሃብቲ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ምሳ. 10:22) ሎሚ በረኸት የሆዋ ብቐንዱ መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ ዜምጽእ። ስሩዓት ፈለምቲ በዚ መዳይ እዚ ኣዝዮም ሃብታማት እዮም። ንኣብነት: ካብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ‘ግዜ ብምዕዳግ’: ነቲ ኻብ ምሃብ ዚርከብ ዝዓበየ ሓጐስ የስተማቕሩ ኣለዉ። (ቈሎ. 4:5፣ ግብ. 20:35) የሆዋ ነቲ ኻብ ፍቕሪ ተበጊሶም ዚገብርዎ ጻዕርታት ይፈልጦን የማስወሉን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ‘ኣብ ሰማይ ዚግበር መዝገብ’ ዋጋኡ ኣይጐድልን እዩ። (ማቴ. 6:20፣ እብ. 6:10) ብተወሳኺ: ከም ፈለምቲ መጠን ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ስለ ዘላቶምን ዜድልዮም ነገራት የሆዋ ኸም ዜማልኣሎም ስለ ዚተኣማመኑን: ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ።—ማቴ. 6:22, 25, 32፣ እብ. 13:5, 6
3. ኣብ መንጎ መንፈሳውን ስጋውን ሃብቲ ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ፧
3 ስጋዊ ሃብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ “ብዙሕ . . . ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት” እዩ ዚመርሕ። (1 ጢሞ. 6:9, 10፣ ያእ. 5:1-3) በረኸት የሆዋ ግን ናብዚ ኣይመርሕን እዩ። ስሩዓት ፈለምቲ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ ምሕላፎም: መንፈሳዊ ሚዛኖም ኪሕልዉን ኣብቲ ዚሓይሽ ነገር ብንጹር ኬተኵሩን ይሕግዞም። (ፊል. 1:10) ሓደ ሓው ነቲ ብዙሕ ግዜ ዜጥፍኣሉ ዝነበረ ናይ መሃንድስነት ስራሑ ገዲፉ ፈላሚ ዀነ። ንሱ: “ዓለማዊ ስራሐይ ጸቕጢ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ዕዮ ፈላምነት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ሕጂ ንሰባት እሕግዝን ሓቂ እምህሮምን ኣለኹ። ከምዚ ምግባር ዝያዳ ዜዕግብን ዜሐጕስን እዩ” በለ።
4. ስሩዓት ፈለምቲ ንኻልኦት ንበረኸት ኪዀኑ ኸለዉ ዚባረኹ ብኸመይ እዮም፧
4 ንኻልኦት ንበረኸት ምዃን:- ሎሚ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1) ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት: ብህጹጽ ተስፋ የድልዮም እዩ። ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ሰባት ነቲ ብስራት ኪቕበልዎ ኸለዉ እሞ እቲ ጸልሚቱ ዝነበረ ገጾም ኪበርህ ከሎ ብዓይኖም ብምርኣዮም ተሓጒሶም እዮም። እዝስ ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 800 ሰዓት ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ዜሕልፉ ስሩዓት ፈለምቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሕጕሶም!—1 ጢሞ. 4:16
5, 6. ስሩዕ ፈላሚ ንኽትከውን ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧
5 ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ኣርዚንካ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ካብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ‘ግዜ ኽትዕድግ’ ኬድልየካ እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) ብዙሓት ግዜኦም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ምእንቲ ኼውዕልዎ: ኣብ ዓለማዊ ስራሖም ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ሰዓታት ብምጕዳል ናብራኦም ቀሊል ገይሮም እዮም። ከምዚኦም ምእንቲ ኽትከውን ጕዳያትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧
6 ተግባራዊ መደብ ምእንቲ ኸተውጽእ: ንየሆዋ ጥበብ ኪህበካ ለምኖ። (ያእ. 1:5) ከም ውጽኢቱ እንታይ በረኸታት ክትረክብ ኢኻ እትጽበ፧ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ሃብቲ! የሆዋ ዜድልየካ ነገራት ብምምላእ ብስጋዊ መገዲ እውን ኪባርኸካ እዩ። (ማቴ. 6:33) እቶም ከምዚ ብምግባር ንየሆዋ ዚዕዘብዎ: ‘በረኸት ብዘይ ልክዕ’ ኪቕበሉ እዮም።—ሚል. 3:10