ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/08 ገጽ 5
  • ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንክርስትያን ኣገልገልቲ እተገብረ መሰናድዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • መንፈሳውነትና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ኣኼባ ወረዳ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 12/08 ገጽ 5

ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ

ኣብ ቅድሚ እቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣመና ዚጻረሩ ሰባት ጸኒዕና ኽንቀውም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ ወትሩ ናብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ኪስሕበና ዚፍትን ሓይልታት ብኸመይ ክንስዕሮ ንኽእል፧ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009 ዚውሰድ ኣኼባ ወረዳ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣዕጋቢ መልሲ ኺህበሉ እዩ። “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ” ዚብል ፍረ ነገር ድማ ኣለዎ። (ሮሜ 12:21) ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዚህሉ እስከ ንርአ።

እቲ ሓላው ኣውራጃ፡ “ነቲ እከይ ብሰናይ ገይሮም ኪስዕርዎ እተዓጥቁ፡” “ካብ ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ተጠንቀቑ!፡” “ኵሉ እከይ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!፡” ከምኡውን “ንዓለም ንምስዓር እምነትና ምድልዳል” ዘርእስቱ መደረታት ኬቕርብ እዩ። እቲ ሓላው ወረዳ ኸኣ፡ ኣብ ሮሜ 13:11-13 እተመስረተ፡ “ሎሚ ንቑሓት እንዀነሉ እዋን እዩ!፡” ከምኡውን ኣብ ምሳሌ 24:10 እተመስረተ፡ “ብመዓልቲ መከራ ኣይትተሓለሉ” ዚብል ኣርእስትታት ዘለዎ መደረታት ኬቕርብ እዩ። ነቲ እቲ ሓላው ወረዳ ዜቕርቦ፡ “ነቲ ወረዳ ናብ ዜድሊ ነገራት ኣቓልቦ ምግባር” ዘርእስቱ ኽፍሊ እውን ብሃንቀውታ ኢና ንጽበዮ። “ፈለምቲ ብምዃን ‘ብኣገልግሎት ክትጸንዑ’ ትኽእሉዶ፧” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዜነቓቕሕ ክፍሊ እውን ኣሎ። ካብቲ ኣብኡ ዚቐርብ ክልተ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ እቲ ቐዳማይ፡ “ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓወምዎ” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ዓውዲ ተክኖሎጂን መዘናግዕን ትምህርትን ዘሎ ሕቡእ ፍሕሶ ሰይጣን ንኸነለልዮን ንኽንነጽጎን ኪሕግዘና እዩ። “ኣብዛ እክይቲ መዓልቲ፡ ንምቅዋም ሓይሊ ርኸቡ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ኸኣ፡ ኣብ ኤፌሶን 6:10-18 ንዚርከብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ኸመይ ጌርና ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ኺሕብረና እዩ።

ኣብ መንጎ ንእከይ ካብ ምንጩ ምስዓርን ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ኣሎ። (ራእ. 12:17) ሰይጣን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ንሕስያ ዜጥቅዖም ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን! (ኢሳ. 43:10, 12) “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቈሪጽና ስለ እተለዓልና ግን፡ ከቶ ኣይኪሰልጦን እዩ። ካብ ኣርባዕቲኡ ኽፍለ-ግዜ እዚ ኣኼባ ወረዳ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ንጹር መደባት ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ