መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅ.
“ክኢላታት ነቲ ኣቦ ኣብ ህይወት ስድራ ቤቱ ዘለዎ ኣገዳስነት ፈሊጦምዎ ኣለዉ። ንሓደ ኣቦ ንፉዕ ዚገብሮ ግን እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣብነት ኣቦኡ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ገሊጹ ኣሎ። [ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣቦ ዘለዎ ሽዱሽተ ኣገዳሲ ግደ ተጕልሕ።” ኣብ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! Oct.
“እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ባህርይ ኣምላኽ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። እንተዀነ ግን፡ ወዲ ኣምላኽ ንኣቦኡ ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 4:24 እተዛረቦ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ። [ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ገጻት፡ ‘ባህርይ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧’ ብዛዕባ ዚብል ሕቶ፡ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 24ን 25ን እትርከብ ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
“ሰብኡትን ኣንስትን ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎምዎ፡ ሓዳር ኣይምደልደለንዶ፧ [እዮብ 31:1 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሰብ ሓዳር ኣብ ቃል ኪዳኖም ኪጸንዑ ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣጕልሕ።
Awake! Nov.
“ሰባት ነዛ ‘ዓወት—ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧’ እትብል ሕቶ ጠቓሚ መልሲ ንኪረኽቡ ንሕግዞም ኣለና። [ናብ ገበር ኣመልክት።] መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ዓወት ግቡእ ምርዳእ ዘለዎምዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓንሳእዶ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸንብበልካ፧ [መዝሙር 1:1, 3 ኣንብብ።] ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ምስ ዓወት ከም እተኣሳሰረ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ ገጽ 6፡ ‘ንብሕታዊ ዓወት ዚኸውን ሽዱሽተ ነጥብታት’ ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።”