ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/08 ገጽ 3
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 11/08 ገጽ 3

ሕቶ ሳጹን

◼ ተመራዓውቲ ንመርዓኦም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገብርዎ እንተ ደልዮም፡ ምስ ሽማግለታት ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪመያየጡ ዜድልዮም፧

ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር መርዓታት ንየሆዋ ኽብሪ ኸም ዜምጽእ ጌርካ እዩ ዚስራዕ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር መርዓታት፡ በቲ ማሕበረሰብ ንስም ውድብና ዚትንክፍ ጌርካ ስለ ዚርአ፡ ጥንቃቐ ኺግበረሉ ኣለዎ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መርዓ ንኺግበር ሕቶ ኪቐርብ ከሎ፡ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን” ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽማግለታት ኣብቲ ጕዳይ ኪኣትዉ ኣለዎም።—1 ቈረ. 14:40

ንመርዓኦም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገብርዎ ዚደልዩ ተመራዓውቲ፡ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዚእከቡ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ብጽሑፍ ሕቶ ኬቕርቡ ኣለዎም። ደብዳበኦም ኣቐዲሞም ኬቕርብዋ ኣለዎም፡ ኣብኣ ድማ ነቲ ኣዳራሽ ኪጥቀሙሉ ዝሓሰብዎ ዕለትን ሰዓትን ኪሕብሩ ኣለዎም። እቶም ሽማግለታት ነቲ መርዓ ኢሎም መደብ ኣኼባ ኸም ዘየተዓራርዩሎም ኺርስዑ የብሎምን። ብተወሳኺ፡ እታ መርዓትን እቲ መርዓውን ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዅነታት ዘለዉ፡ ማለት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ጻድቕ መለክዒታት የሆዋን ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ኪዀኑ ኣለዎም።

እቲ መርዓ ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኣሉ ኸም ዚኸውን ንምርግጋጽ፡ እቶም ተመራዓውቲ ነቲ ንመርዓ ዚገብርዎ መሰናድዎ ወዲኦም ቅድሚ ምውሳኖም፡ ምስ ኮሚተ ኣገልግሎት ኪመያየጡሉ ይግባእ። እቶም ሽማግለታት ብሕታዊ ምርጫኦም ኪጽዕንዎም እኳ እንተ ዘይደለዩ፡ ኣብቲ መደብ ባህ ዘየብል ነገር እንተ ኣልዩ ግን ምትዕርራያት ኪገብሩ ኣለዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ኪንግደም ሜሎዲስ (ዜማታት መንግስቲ ኣምላኽ) እተመርጸ ወይ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ሙዚቃ ጥራይ እዩ ኺስማዕ ዘለዎ። ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስልማት ወይ ኣብ ኣቀማምጣ እቲ ኾፍ መበሊ ዚግበር ለውጥታት፡ ፈለማ ኺጸድቕ ኣለዎ። ስእሊ ወይ ቪድዮ እንተ ኣልዩ፡ እዚ ንኽብሪ እቲ ኣጋጣሚ ዚንኪ ኪኸውን የብሉን። ንመርዓ ዚግበር ልምምድ ምስ ካልእ መደባት ጉባኤ ኽሳዕ ዘይተጋጨወ፡ ሽማግለታት ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ልምምድ ኪግበር ኪፈቕዱ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ይኹን ወረቐት ዕድመ ኣብ ሰሌዳ ሓበሬታ ኺልጠፍ የብሉን። ኰይኑ ግን፡ ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ኣብታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር መርዓ ነታ ጉባኤ ንምሕባር፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣኼባ ሓጺር ምልክታ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ኵሎም እቶም ኣዕሩኽ መርዓውን መሓዙት መርዓትን እተጠምቁ ኪዀኑ ኸም ብቕዓት ዚሕተት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቶም ኣነባብራኦም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ዚጋጮ ወይ ኣካይዳኦም ኣብ ኣእምሮ ተኣከብቲ ሕቶታት ዚፈጥር ሰባት፡ ከም ዓርኪ ወይ መሓዛ ጌርካ ምሕራይ ግቡእ ኣይኰነን። እተሸመ ሽማግለ እንተ ኣልዩ፡ እቲ መርዓ ብሽማግለ ኺግበር ኣለዎ። ሽማግለታት ብቑዓት መምህራን ቃል ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ንምጕላሕ ኣዝዮም ብቑዓት እዮም።—1 ጢሞ. 3:2

መርዓ ንስም እቲ ዜመራዕው ሽማግለ ስለ ዚጸልዎ፡ ንሱ እውን ብዛዕባ መደባት እቲ መርዓ ኺሕበር ኣለዎ። ምስቶም ዚመራዓዉ ተራኺቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ወርዝነት ዝነበሮም ስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ ኺሓቶም ኣለዎ፣ እቶም ተመራዓውቲ ግልጽን ሓቀኛታትን ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ መርዓዊ ወይ እታ መርዓት ኣቐዲሙ ሓዳር እንተ ነይርዎ፡ ሕጂ ንኺምርዖ ብቕዱስ ጽሑፋውን ብሕጋውን መዳይ ናጻ ምዃኑ መረጋገጺ ኼምጽእ ኣለዎ። (ማቴ. 19:9) እዚ ኸኣ ነቲ ሽማግለ ወረቐት ፍትሕ ምርኣይ የጠቓልል።

እቶም ተመራዓውቲ ምስ ሽማግለታት ከይተሰከፉ ሓሳቦም ምስ ዚለዋወጡን ምሉእ ብምሉእ ምስ ዚተሓባበሩን፡ እቲ መርዓ ንዅሎም ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ይኸውን እዩ።—ምሳ. 15:22፣ እብ. 13:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ