ንመጽሓፍ ሪዝኒን ትጥቀመላዶ ኣለኻ፧
1. ሃዋርያ ጳውሎስን የሱስን ብኸመይ እዮም ምሂሮም፧
1 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ብጽሑፋት ገይሩ ኼዘራርብ’ ይጽዕር ነበረ። (ግብ. 17:2, 3፣ 18:19) ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ነቲ ብዙሕ ሳዕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጠቅስን ሰማዕቱ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺርድኦም ኢሉ ምሳሌታት ዚጥቀምን ዝነበረ የሱስ እዩ መሲልዎ። (ማቴ. 12:1-12) እታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ከምኡ ንኽንገብር ክትሕግዘና እያ ተዳልያ።
2. ውጽኢታዊ መእተዊታት ንምድላው፡ ንመጽሓፍ ሪዝኒን ወይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ንእትበሃል ጽሕፍቲ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
2 ውጽኢታዊ መእተዊታት ምድላው፦ ኣብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 9-15 (ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን፡ ገጽ 2-7) ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊታት ይርከብ እዩ። ብፍላይ ንኽልኻ ደጋጊምካ ትሽፍኖ እንተ ዄንካ፡ እተፈላለየ መእተዊታት ምፍላጥካን ምጥቃምካን ንኣገልግሎትካ ለውጢ ይዀኖ፡ ዝርርብ ኣብ ምጅማር ድማ ተዓጻጻፍን ውጽኢታውን ይገብረካ። ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ክትጽመድ ከለኻ ወይ ኣብቲ ልዑል ሓለዋ ዚግበረሉ ህንጻታት ብኢንተርኮም ከተዘራርብ ከለኻ፡ መእተዊታት ብቐጥታ ኻብታ ጽሕፍቲ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።
3. ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ኣብ ገጽ 16-24፡ ወይ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ፡ ኣብ ገጽ 8-16 ንኣገልግሎት ዚኸውን እንታይ ሓበሬታ ይርከብ፧
3 ንዀለፍቲ ዘረባ መልሲ ምሃብ፦ ኣብ ክልኻ ኺለዓል ዚኽእል ኰላፊ ዘረባ ገሚትካ፡ ናብ ስብከት ቅድሚ ምኻድካ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ኣብ ገጽ 16-21 (ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን፡ ገጽ 8-13) ዚርከብ ሓሳባት ስለምንታይ ዘይትርእዮ፧ ገሊኦም ሰብ ቤት ሰዓብቲ እምነት ቡድህና፡ ሂንዱነት፡ ኣይሁድነት፡ ወይ እስልምና ድዮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ኣብ ገጽ 21-24 (ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን፡ ገጽ 13-16) ዚርከብ ሓበሬታ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
4. ሕቶ ወይ ዜካትዕ ርእሰ ነገር ኪለዓል ከሎ፡ ንመጽሓፍ ሪዝኒን ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
4 ሕቶታት ምምላስ፦ ሕቶ ወይ ኣካታዒ ርእሰ ነገር ኪለዓል ከሎ፡ መጽሓፍ ሪዝኒን ክትሕግዝ ትኽእል እያ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ከተርእዮ ኸም እትደሊ ነቲ ሰብ ሓቢርካ፡ መጽሓፍ ሪዝኒን ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። እቲ ርእሰ ነገራት ብተርታ ፊደል ስለ እተሰርዐ፡ ናብቲ እትደልዮ ሓበሬታ ኸም ዘለዎ እትግምቶ ቐንዲ ኣርእስቲ ገንጽል። ድሕሪኡ ነቲ ብድሙቕ ፊደላት እተጻሕፈ ሕቶታት ርኣዮ። ነቲ ዝደለኻዮ ብቕልጡፍ እንተ ዘይረኺብካዮ፡ ናብቲ ኣብ ድሕሪት ዘሎ መሐበሪ ገንጽል። እቲ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ምስ ረኸብካ፡ ብቐጥታ ኻብቲ ጽሑፍ ኣንብበሉ። ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ ትመያየጡ እንተ ኣሊኹም፡ ነቲ ዝደለኻዮ ነጥቢ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ገጽ 445 ዚርከብ “Scriptures Often Misapplied” (“መብዛሕትኡ ግዜ ብጌጋ ዚዕየየሉ ጥቕስታት”) ዚብል ክፋል ክትረኽቦ ትኽእል ትኸውን።
5. መጽሓፍ ሪዝኒን እንታይ ካልእ ጥቕሚ ኣለዋ፧
5 ካልእ ጥቕሚ፦ ገሊኦም፡ ‘ስለምንታይ ኢኹም በዓላት ዘይተብዕሉ፧’ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኪቐርበሎም ከሎ ንኺምልሱ ኢሎም፡ ቅዳሕ መጽሓፍ ሪዝኒን ኣብ ስራሖም ወይ ኣብ ቤት ትምህርቶም ይሕዙ እዮም። መንእሰያት ንትምህርቶም ጸብጻብ ኬዳልዉ ኸለዉ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “Creation” (“ፍጥረት”) ከምኡውን “Evolution” (“ፍልቀት”) ዚብል ኣርእስትታት ዘሎ ሓበሬታ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንሓደ ዝሓመመ ወይ ዜፍቅሮ ሰብ ዝሞቶ ኽትበጽሖ ሓሲብካዶ ኣለኻ፧ ኣብ ትሕቲ “Encouragement” (“መተባብዒ”) ዚብል ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መጸናንዒ ንኽትህብ ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ መደረታት ንዚዳለዉን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንዚመርሑን ሰባት ሓጋዚ ሓበሬታ ኣለዋ።
6. ክንሰብኽ ከለና፡ ሸቶና እንታይ እዩ፧
6 ክንሰብኽ ከለና፡ ሸቶና ንሰባት ምርታዕ ኣይኰነን፡ ሓበሬታ ምምሕልላፍ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርና ብኽእለት ከነዘራርቦም ንደሊ ኢና። ንመጽሓፍ ሪዝኒን ብጽቡቕ እንተ ተጠቒምናላ፡ ነቲ እንምህሮ ነገር ንጥንቀቕ ከም ዘሎና የርኢ።—1 ጢሞ. 4:16