ኣገልግሎትና ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ የንጸባርቕ
1. የሱስ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ እንታይ ኪገብር እያ ደሪኻቶ፧
1 የሱስ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ዝደረኸቶ፡ ፍቕሪ እያ። ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት የሱስ ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ዘረጋግጽ መርትዖ እዩ ነይሩ። የሱስ፡ “ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝአዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ” በለ። (ዮሃንስ 14:31) ንሕናውን ኣስኣሰር የሱስ እንስዕብ ሰዓብቱ ኸም ምዃንና መጠን፡ ብኣገልግሎትና ጌርና ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነንጸባርቕ ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ።—ማቴዎስ 22:37፣ ኤፌሶን 5:1, 2።
2. ኣገልግሎትና በታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ዚጽሎ ብኸመይ እዩ፧
2 “ስምካ ይቀደስ”፦ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ንሰባት ንዛረብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዘላትና ኢና እነርኢ ዘለና፡ በዚ ኸምዚ ድማ ስሙ ንኪቕደስ እጃምና ነበርክት። (መዝሙር 83:18 NW፣ ህዝቅኤል 36:23፣ ማቴዎስ 6:9) ኣገልግሎትና ልክዕ ከም ኣገልግሎት የሱስ፡ ስም የሆዋ ንኪቕደስን ፍቓዱ ንኺፍጸምን ልባዊ ባህጊ ኸም ዘሎና ወትሩ የንጸባርቕ እዩ።—ማቴዎስ 26:39።
3. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ዕንቅፋታት ንኽንሰግር ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧
3 ፍቕሪ ዕንቅፋታት ንኽንሰግር ትድርኸና፦ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንዅሉ ዕንቅፋታት ንኽንሰግር ተኽእለና። (1 ቈረንቶስ 13:4, 7) የሱስ ኣገልግልቱ ንኸይፍጽም ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል እተፈላለየ ዅነታት ኣጋጢምዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እታ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕርን ፍቓድ የሆዋ ንኺገብር ዘለዎ ባህግን ነቲ ዕንቅፋታት እቲ ንኺሰግሮ ኣኽኣሎ። (ማርቆስ 3:21፣ 1 ጴጥሮስ 2:18-23) ንዓናውን ብዙሕ ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ኸሎ እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ነዚ ኽንሰግሮ ተኽእለና። ነቲ ክርስቶስ ዝገደፈልና ኣርኣያ ጠቢቕና ንስዕብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣገልግሎትና ተቢዕና ኽንፍጽም ክንክእል ኢና። ናይ ስድራ ቤት ምጽራር፡ ናይ ጥዕና ጸገማት፡ ዕድመ ምድፋእ፡ ወይ ከኣ ሰባት ብሓፈሻ ዘለዎም ዘይተገዳስነት ኪትንክፈና ዚኽእል እኳ እንተዀነ፡ ብእተኻእለ መጠን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኣገልግሎትና ብምፍጻም፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኻብ ምግላጽ ኣይዓግተናን እዩ።
4. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እንታይ ፍሉይ መሰል እያ እተውህበና፧
4 ፍቕሪ ሓያል እያ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ኻብ ልቢ ዝነቐለት ፍቕሪ ብኣገልግሎትና ጌርና ናይ ምንጽብራቕ ተኽእሎና ስለ እተዋህበና ኸኣ ተባሪኽና ኢና። (1 ቈረንቶስ 13:13) ናብቲ ስም የሆዋ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዚቕደሰሉ እዋን ኣዚና እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ “ፍቕርኹም . . . ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ” ጸሎትና እዩ።—ፊልጲ 1:9-11፣ ማቴዎስ 22:36-40