ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስካ ብጽሓዮም—መዓስ፧
1. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧
1 ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኪበሃል ከሎ፡ ነቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመሃሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ተመሊስካ ምብጻሕ እውን ዜጠቓልል እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ተመላሊስካ ምብጻሕ እንገብረሉ ግዜ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መደብናን ኣብ መደብ እቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብን እዩ ዚምርኰስ። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ነዊሕ ከይጸናሕና ኽንምለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2, 3. ውዓል ሕደር ከይበልና ኽንምለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 ነዊሕ ከይጸናሕካ እትምለስ ስለምንታይ ኢኻ፧ እቲ “ወንጌል መንግስቲ” ናይ ምስባኽ ዕዮ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪዛዘም እዩ፣ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸኣ ኣዝዩ ይቐርብ ኣሎ። (ማቴ. 24:14፣ 1 ጴጥ. 4:7) ስለዚ፡ “መዓልቲ ምድሓን” እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ‘ነቲ ቓል ንስበኽ፣’ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ውዓል ሕደር ከይበልና ኽንምለሶም ከኣ ጻዕሪ ንግበር።—2 ቈረ. 6:1, 2፣ 2 ጢሞ. 4:2።
3 ሰይጣን ነቲ ኣብ ልቢ ሓደ ግዱስ ሰብ ዝተኸልናዮ ዘርኢ መንግስቲ ኺወስዶ ይደሊ እዩ። (ማር. 4:14, 15) መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም፡ መሳርሕቶም፡ ከምኡውን ካልኦት ሰባት የላግጹሎም እዮም። ብቕልጡፍ እንተ ተመሊስና፡ እቲ ተገዳስነት ገና ኸይጠፍአ ኸሎ፡ ኣብቲ ፈለማ ዝገበርናዮ ምይይጥ ተመርኲስና ንኽንቅጽል ኣጋጣሚ ይኸፍተልና።
4. ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዜኽእል መሰረት ከነንብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ቈጸራ ግበር፦ ቅድሚ ምፍልላይኩም፡ ተመሊስካ ንኽትመጽእ ንጹር መሰናድዎ ግበር። ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ እትምልሶ ሕቶ ኣበግስ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ መዝገብ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ። ዚጥዕመካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ወይ ከኣ ነዊሕ ከይጸናሕካ ኽትምለስ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዘዘራረብካዮ ሰብ ብምኽንያት ስራሕ ኣብ መንጎ ሰሙን ዘይጥዕሞ እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ቐዳመ-ሰንበት ክትቈጽሮ ትኽእል ኢኻ። ቈጸራ ኽትገብር ከለኻ፡ ቃልካ ኽትሕሉ ትኽእል እንተ ዄንካ ኣረጋግጽ።—ማቴ. 5:37።
5. ውዓል ሕደር ከይበልና ምምላስና፡ ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና መዝነት ንኽንፍጽም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
5 ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ውዓል ሕደር ከይበልና እንምለሰሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። ስለዚ፡ ቈጸራ ግበር፣ “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነ ድማ ነዊሕ ከይጸናሕካ ተመለስ። (1 ቈረ. 7:29) ነቶም ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘርኣዩ ብቕልጡፍ እንተ ተመሊስናዮም፡ ጻዕርና ፍረ ዘለዎ ኪኸውን እዩ።