“ብመንፈስ ተቓጸሉ”
1. ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ኢና ኸነርኢ ዘሎና፧
1 ኵሉ መዳያት ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ብንጥፈት ዝመልአ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ “ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ” ዚብል ምትብባዕ ተዋሂቡና ዘሎ። (ሮሜ 12:11) ይኹን እምበር፡ ነቲ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ኬጥፍኦ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ከመይ ጌርና ኢና ደኣ እሞ ነቲ ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ‘ክንሕድሶ’ እንኽእል፧—2 ጢሞ. 1:6, 7።
2. ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ቅንኣት ዝመልኦ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧
2 ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ውጽኢታዊ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንሕግታት ኣምላኽ የፍቅሮን በቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓቅታት ልቡ ይትንከፍን እዩ። (መዝ. 119:97) ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ክቡር መዝገብ፡ ንልብና የለዓዕሎ፡ ንቕንኣትና ድማ ይውስኸሉ እዩ። ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ዚህበና ኣካል ዘሎና ፍቕሪ ኸምኡውን ነቲ ብስራት ንኻልኦት ከነካፍሎም ዘሎና ድሌት፡ ንኣምላኽ ንኽንውድሶን ንስሙ ብግልጺ ንኽንእውጅን ይድርኸና እዩ። (እብ. 13:15) ብንጹር እምበኣር፡ ነቲ ብስራት ካብ ልቢ ምስባኽና፡ ንዋጋኡ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ ዜርኢ እዩ።
3. መንፈስ ኣምላኽ ንኣገልግሎትና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
3 መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃበካ ጸሊ፦ ኣገልግሎትና ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል፡ ብናትና ሓይሊ ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ቕንኣት ክንረክብ እንኽእል፡ ካብቲ ብቐጻሊ ዚፈስስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (1 ጴጥ. 4:11) ናብቲ ‘ሓይሉ ኣዝዩ ዓብዪ ዝዀነ’ እንተ ቐሪብና፡ ንሱ ድማ ብትብዓት ንኽንምስክር ዜኽእለና መንፈሳዊ ጽንዓት ኪህበና እዩ። (ኢሳ. 40:26, 29-31) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ጸገም ምስ ኣጋጠሞ፡ ‘ካብ ኣምላኽ ረድኤት ተቐበለ።’ (ግብ. 26:21, 22) እቲ ሓይሊ ዚህበና ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብመንፈስ ንኽንቃጸል ኪሕግዘና ስለ ዚኽእል፡ ምእንቲ ኺወሃበና ንጸሊ።—ሉቃ. 11:9-13።
4. ቅንኣት ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ፍረ እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧ እንታይ ጥንቃቐ ኢና ግን ክንገብር ዘሎና፧
4 ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ብርቱዕ ቅንኣት፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መንጎ ክርስትያን ዝዀኑ ብጾትና እውን ዝያዳ ቕንኣት ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። (2 ቈረ. 9:2) ኣብ ክልና ዚርከቡ ውልቀ-ሰባት፡ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብተኣማንነትን ንዚቐርብ መልእኽቲ እዮም ብዝያዳ ዚሰምዑ። ይኹን እምበር፡ ቅንኣትና ብሜላን ልእመትን እተሰነየ ኪኸውን ኣለዎ። (ቲቶ. 3:2) ወትሩ ነቲ ብዓል ቤት ክብረቱ ኽንሕልወሉን ንምርጫኡ ኸነኽብረሉን ኣሎና።
5. ነየናይ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ኢና ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ዚግባእ፧
5 ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ነቲ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ዚብል ምኽሪ ንስዓብ። ብብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ናብ የሆዋ ብእነቕርቦ ልባዊ ጸሎትን ኣቢልና፡ ቅንኣት ነማዕብል፣ የሆዋ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚሑ ኺህበና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንኣገልግሎትና “ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን” ንፍጽም።—1 ተሰ. 1:5።