ምትዕርራይ ክትገብር ፍቓደኛ ዲኻ፧
1. ኣብ ዓለም ዘሎ ተለዋዋጢ ነገራት፡ እንታይ ምትዕርራይ ክንገብር እዩ ዜገድደና፧
1 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:31፡ ንዓለም ምስ ሓደ ብቐጻሊ ዚለዋወጥ ትርኢትን ተዋሳእትን ዘለውዎ መድረኽ እዩ ዜነጻጽራ። ኣብ ዓለም ዘሎ ተለዋዋጢ ነገራት፡ ኣብ ሜላታት ስብከትናን ኣብ መደብናን ኣብ ኣቀራርባናን ምትዕርራይ ንኽንገብር የገድደና እዩ። እሞኸ ምትዕርራይ ክትገብር ፍቓደኛ ዲኻ፧
2. ምስ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኽንጓዓዝ፡ ምትዕርራይ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 ንምስባኽ እትጥቀመሉ ሜላታት፦ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወትሩ ምትዕርራይ ትገብር እያ። የሱስ፡ ፈለማ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝለኣኸሉ እዋን፡ ለቘታ ስንቂ ወይ ኣብ ቅናውቶም ገንዘብ ከይሕዙ ነጊርዎም ነበረ። (ማቴ. 10:9, 10) ደሓር ግና፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መጻኢ ኼጋጥሞም ዚኽእል ጽልእን ንምስፍሕፋሕ ዕዮ ስብከትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ መምርሒ ምትዕርራይ ገበረሉ። (ሉቃ. 22:36) ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ ውድብ የሆዋ ኸከም ኣድላዪነት ግዜኡ እተፈላለየ ሜላታት ስብከት ተጠቒሙ እዩ። ንኣብነት፡ ንምስክርነት ዜገልግል ካርድታት፡ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመለን ማካይን፡ ከምኡውን ፈነወ ረድዮ ይጥቀም ነይሩ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ሓያሎ ኸባቢታት ዘለዉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛኦም ኣይርከቡን እዮም፣ ስለዚ፡ ጎድኒ ጎድኒ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እነካይዶ ኣገልግሎትና፡ ንህዝባዊ ምስክርነትን ንዘይወግዓዊ ምስክርነትን ዝያዳ ኣትኵሮ ይግበረሉ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ሰባት ቀትሪ ኣብ ስራሕ ዚውዕሉ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ኣጋ ምሸት ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ተተባቢዕና ኢና። ሰረገላ የሆዋ ኣብ መገድታቱ ምትዕርራይ ኪገብር ከሎ፡ ንስኻኸ ምስቲ ሰረገላ ማዕረ ንኽትጓዓዝ ምትዕርራይ ትገብርዶ ኣለኻ፧—ህዝ. 1:20, 21።
3. ኣብ ኣቀራርባና ምትዕርራይ ምግባር፡ ኣብ ክልና ብዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
3 ኣቀራርባኻ፦ ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ኣብዚ ግዜ እዚ ዜጨንቖም ነገር እንታይ እዩ፧ ቍጠባ፧ ስድራ ቤት፧ ውግእ፧ ኣብ ክልና ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ጸገማትን ኵነታትን ምፍላጥና ጠቓሚ እዩ፡ ከመይሲ፡ ምስቲ ዅነታት ዚሰማማዕ ኣቀራርባ ኽንዳሎ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 9:20-23) ሰብ ቤት ሓሳቦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ዘየዕግብ መልሲ ኣብ ክንዲ እንህብን ነቲ ኣቐዲምና እተዳለናዮ ኣቀራርባ ጥራይ ኣብ ክንዲ እንጥቀምን፡ ኣብ ኣቀራርባና ምትዕርራይ ክንገብርን ነቲ ዜጨንቖም ነገር ክንርድኦን ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ።
4. ምትዕርራይ ንምግባር ቁልጡፋት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ “ትርኢት” መወዳእታ ዓለም ኬብቅዕ እዩ፡ ድሕሪኡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር እዩ። “እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺሩ እዩ።” (1 ቈረ. 7:29) እምበኣር፡ ምትዕርራይ ክንገብርን ነዚ ቐልጢፍና ኽንገብሮን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ፡ ከመይሲ፡ ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ሓጺር ግዜ፡ ብዙሕ ከነስልጥ ንኽእል ኢና።