ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ትመጣጠሩዶ ኣሎኹም፧
1. ሓደ መንእሰይ ሓው፡ ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:1 ዚርከብ መምርሒ ኺትግብሮ ዘለዎ ኻብ መዓስ ጀሚሩ እዩ፧
1 “ሓደ እኳ . . . እንተ ተመጣጠረ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ።” (1 ጢሞ. 3:1) እዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት እዚአን፡ ንኣሕዋት ናብ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንኺመጣጠሩ እየን ዜተባብዓኦም። ከምኡ ንኽትገብር፡ በጽሒ ኽትከውን የድልየካ ድዩ፧ ገና መንእሰይ ከለኻ ኽትመጣጠር እንተ ጀመርካ እዩ ዝበለጸ ዚኸውን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ክትስልጥንን ምስ ዓበኻ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንኽትከውን ብቕዓት ከም ዘሎካ ኸተርእን ትኽእል። (1 ጢሞ. 3:10) እተጠመቕካ መንእሰይ ሓው እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ኢኻ ኽትመጣጠር እትኽእል፧
2. ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከተጥርን ከተርእን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2 ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፦ መዓርግ ንምርካብ ዘይኰነስ፡ ንሰናይ ግብሪ ትመጣጠር ከም ዘለኻ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ናይ ምሕጋዝ ባህጊ ይሃሉኻ። ከምኡ ኽትገብር እትኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብምስትንታን እዩ። (ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 4:6, 7፣ 13:4, 5) ኣብ ጥቕሚ ኻልኦት ንኸተተኵር ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። (1 ቈረ. 10:24) ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ስንኩላን ክትሕግዞም ትኽእልዶ፧ ኣብቲ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክንኻን ዚግበር ከም ምጽራይን ምጽጋንን ዝኣመሰለ ዕዮ ብፍታው ትካፈልዶ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ንዝተረፉ ሰባት ተኪእካ ኽፍሊ ኸተቕርብ ትኽእልዶ፧ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ክትምከሮ ኢኻ።—ግብ. 20:35።
3. መንፈሳውነት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ኪምዕብል ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧
3 መንፈሳውነት፦ ሓደ ኣብ ጉባኤ ዜገልግል ሓው፡ ካብ ፍሉይ ክእለቱ ወይ ተውህቦኡ ንላዕሊ፡ መንፈሳውነቱ እዩ ዜገድስ። መንፈሳዊ ሰብ ንነገራት ብዓይኒ የሆዋን የሱስን ኪርእዮ እዩ ዚጽዕር። (1 ቈረ. 2:15, 16) “ፍረ መንፈስ” የርኢ እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ብዘይካዚ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዜቐድም ቀናእ ወንጌላዊ እዩ። (ማቴ. 6:33) ንስኻ እውን ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ጽቡቕ ልምዲ ብምምዕባል፡ መንፈሳዊ ባህርያት ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ልምዲ ምምዕባል፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ምንባብ፡ ከምኡውን ንኣኼባታት ጉባኤ ምድላውን ኣብኡ ምእካብን የጠቓልል። (መዝ. 1:1, 2፣ እብ. 10:24, 25) ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ኬተባብዖ ኸሎ፡ “ኣብቲ እትምህሮ ትምህርቲ ኣተኵር” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞ. 4:15, 16) ስለዚ፡ ንስኻ እውን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ኺውሃበካ ኸሎ፡ ኣበርቲዕካ ዕየ። ንኣገልግሎት ተዳሎ፣ ኣዘውቲርካ ድማ ኣብኡ ተኻፈል። ከም ፈላሚ ምዃን፡ ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል፡ ወይ ኣብቲ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋል ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ፣ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ከኣ ጽዓር። መንፈሳዊ ሰብ ምዃን፡ ‘ካብ ትምኒት ንእስነት ንኽትሃድም’ ኪሕግዘካ እዩ።—2 ጢሞ. 2:22።
4. ትውክልቲ ዚግበረልካን እሙንን ምዃን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
4 ትውክልቲ ዚግበሮን እሙንን ምዃን፦ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንድኻታት ክርስትያናት ምግቢ ኣብ ምዕዳል ዚዓይዩ ዝነበሩ ኣሕዋት “ብጽቡቕ እተመስከረሎም” ስለ ዝነበሩ፡ ማለት ትውክልቲ ዚግበሮምን እሙናትን ስለ ዝነበሩ፡ ሃዋርያት ብዛዕባ እቲ ዕዮ ብዙሕ ዜጨንቕ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ነገራት ኬተኵሩ ኸኣሉ። (ግብ. 6:1-4) ንስኻ እውን ኣብ ጉባኤኻ ዕዮ ኺውሃበካ ኸሎ፡ ነቲ ዕዮ ንኽትዓይዮ ዚከኣለካ ግበር። ነቲ መርከብ ንኺሃንጽ ንእተዋህቦ መምርሒ ብጥንቃቐ ዝሓለዎ ኖህ ምሰሎ። (ዘፍ. 6:22) የሆዋ ንተኣማንነት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፣ መግለጺ መንፈሳዊ ብስለት ድማ እዩ።—1 ቈረ. 4:2፣ ነታ፡ “ስልጠና ዘለዎ ረብሓ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
5. መንእሰያት ኣሕዋት ኪመጣጠሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
5 ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ፡ የሆዋ ነቲ ናይ ምእካብ ዕዮ የቀላጥፎ እዩ ዘሎ። (ኢሳ. 60:22) በብዓመቱ ብገምጋም ርብዒ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ይጥመቑ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ናብ ሓቂ ይመጹ ስለ ዘለዉ፡ ንሓላፍነታት ጉባኤ ዚስከሙ ብቑዓት መንፈሳውያን ሰብኡት የድልዩ እዮም። ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ዚዕየ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:58) እሞኸ ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ትመጣጠሩዶ ኣሎኹም፧ ከምኡ ትገብሩ እንተ ኣሊኹም፡ ብሓቂ ሰናይ ግብሪ ኢኹም እትምነዩ ዘለኹም።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ብዙሓት ሰባት ናብ ሓቂ ይመጹ ስለ ዘለዉ፡ ንሓላፍነታት ጉባኤ ዚስከሙ ብቑዓት መንፈሳውያን ሰብኡት የድልዩ እዮም
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ስልጠና ዘለዎ ጥቕሚ
ሽማግለታት ንብቑዓት መንእሰያት ኣሕዋት ንኼሰልጥንዎም ኢሎም ዕዮ ኺህብዎም ከለዉ፡ እቶም ኣሕዋት ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም። ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ኣኼባ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ መድረኽ ኰይኑ ንሓደ ኣስፋሒ የተባብዖ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ጥቓኦም ሓደ ቘልዓ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ምስ ኣስተብሃለ፡ ንዕኡ ይጽበ እንተ ኣልዩ ሓተቶ። እቲ ቘልዓ ግና ነቲ ሓላው ወረዳ፡ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ፡ ነቲ መድረኽ ናይ ምጽራይ ዕዮ ኸም እተዋህቦ ነገሮ። ወለዱ ኪኸዱ ይቀራረቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ቘልዓ ግና ዕዮኡ ኸይፈጸመ ኪኸይድ ኣይደለየን። እቲ ሓላው ወረዳ ተሓጒሱ ኻብቲ መድረኽ ተኣልየ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሽማግለታት እታ ጉባኤ፡ ንብቑዓት መንእሰያት ዕዮ ብምሃብ ብንቕሓት እዮም ዜሰልጥንዎም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነታ ጉባኤ ኽበጽሓ ኸለኹ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዚኸውን መንእሰይ ይሓጽዩ እዮም።”