ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/14 ገጽ 2
  • ንመገላግልትኻ ሓግዞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመገላግልትኻ ሓግዞ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ንፉዕ ደጋፊ ኹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣብ ኣገልግሎት ንሓድሕድና ንተሃናነጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንመገላግልትኻ ደግፎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 1/14 ገጽ 2

ንመገላግልትኻ ሓግዞ

1. ምስ ካልኦት ከነገልግል ከለና፡ ንኣረኣእያ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንቀድሖ ንኽእል ብኸመይ ኢና፧

1 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ምስቶም ኣመንቲ ብጾቱ ዘሕለፎ ግዜ፡ ‘ንሓድሕዶም ከም ዚተባብዑ’ ዚገብር ኣጋጣሚ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። (ሮሜ 1:12) ምስ ካልእ ኣስፋሒ ኸተገልግል ከለኻ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ሰብ ንምትብባዕን ንምሕጋዝን ትጥቀመሉዶ፧ ዘይንጡፍ መገላግልቲ ኣብ ክንዲ እትኸውን፡ ውጽኢታዊ ኣስፋሒ ንኽትከውን እንታይ ከም ዝሓገዘካ ስለምንታይ ዘይተካፍሎ፧

2. መገላግልትና ምትእምማን ከም ዚሓድሮ ንምግባር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

2 ምትእምማን ከም ዚሓድሮ ግበር፦ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ምትእምማን ከም ዚጐድሎም፡ ኣብ ገጾም ኪንበብ ወይ ድማ ኣብ ቃና ድምጾም ኪስማዕ ይኽእል እዩ። ናእዳ ብምሃብ ምትእምማን ከም ዚሓድሮም ክንገብር ንኽእል ኢና። ኪግበር ዚከኣል ካልእ መገድታትከ እንታይ እዩ፧ ሓደ ገያሺ ሓላዊ ንመገላግልቱ፡ ንሱ እውን ፍርሂ ኸም ዚስምዖን ነዚ ስምዒት እዚ ንምስናፍ ከኣ ብዙሕ ግዜ ኸም ዚጽልን ብግልጺ ይነግሮ። ካልእ ሓው ድማ ምትእምማን ከም ዚሓድሮ ዝገበሮ ነገር እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፈለማ ፍሽኽ ምባል ጽቡቕ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ነዛ ቐላል እትመስል መግለጺት ንምንጽብራቕ ሓገዝ ንምርካብ እጽሊ እየ” በለ። ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ምትእምማን ከም ዝሓደረካ ዝገበረ ነገር ኣሎዶ፧ ነቲ ነገር እቲ ንመገላግልትኻ ኣካፍሎ።

3. መገላግልትና ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ከነካፍሎ ንኽእል፧

3 እተጠቐምካሉ ሜላታት ኣካፍሎ፦ ምይይጥ ኣብ ምጅማር ውጽኢታዊ ንምዃን ዚሕግዝ፡ ምናልባት ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር ኪኸውን ዚኽእል ቅልል ዝበለ መእተዊ ቓላት ወይ ሕቶ ረኺብካዶ፧ ነቲ ንመርኣያ ዚውሃብ ኣቀራርባ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቓላት ኣመቂርካ ብምቕራብ ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኸብካሉ እዋን ኣሎዶ፧ ብዛዕባ እዚ ንመገላግልትኻ ንገሮ። (ምሳ. 27:17) ናብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ እትኸዱሉ እዋን፡ ዕላማ እቲ ምብጻሕን እንታይ መደብ ከም ዝገበርካን ከተዘንትወሉ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ተመሃራይ ንምሕጋዝ ንሓንቲ ነጥቢ፡ ጥቕሲ፡ ወይ ሜላ ኣመሃህራ ዝመረጽካሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንመገላግልትኻ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ።

4. ንወንጌላውያን ብጾትና ምሕጋዝ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ንዘይኣመንቲ ምሕጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕዶም ምትብባዕን ምብርታዕን እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይረስዑን። (ግብ. 11:23፣ 15:32) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣብ ርእሲ ምስልጣኑ፡ ነቲ እተማህሮ ነገራት ንኻልኦት ኬካፍሎም እውን ኣተባቢዕዎ እዩ። (2 ጢሞ. 2:2) ኣብ ኣገልግሎት ንክርስትያን ብጾትና ሰናይ ምግባር እንተ ዘይረሲዕና፡ ዝያዳ ሕጕሳትን ውጽኢታውያን ንኪዀኑ ንሕግዞም፡ ሰማያዊ ኣቦና እውን ባህ ይብሎ።።—እብ. 13:15, 16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ