ፍሉይ ንጥፈት ዚካየደላ ታሪኻዊት ወርሒ ነሓሰ
ኣብ መላእ ምድሪ፡ ሓዳስ ትራክት ክትዕደል እያ
1. መበል 100 ዓመት ውልደት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ምድሪ እንታይ ፍሉይ ወፈራ እዩ ኺግበር፧
1 መበል 100 ዓመት ውልደት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ንየሆዋ ብሓደ ፍሉይ ወፈራ ኸነኽብሮ ግቡእ እዩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ትራክት፡ ኣብ መላእ ምድሪ ኽንዝርግሕ ኢና። እዛ ትራክት እዚኣ፡ ኣንበብቲ ንሕቶታቶም ዚኸውን መልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ተተባብዕ፡ ካብ jw.org ብኸመይ ሓገዝ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ድማ ትገልጽ።
2. ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምስቶም ‘ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንየሆዋ ዚውድሱ’ ብምዃን እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ዓው ኢልካ ምውዳስ፦ ኣስፋሕቲ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ንዚደልዩ ዅሎም፡ ፍሉይ መሰናድዎ ተገይሩሎም ኣሎ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 30 ሰዓት ብምግልጋል ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነሓሰ፡ ሓሙሽተ ዓርብን ሓሙሽተ ቀዳምን ሓሙሽተ ሰንበትን ስለ ዘለዋ፡ መብዛሕትኦም ኣብ መንጎ ሰሙን ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑ ወይ ዚመሃሩ ኣስፋሕቲ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣስፋሒ ኪኸውን ድሌት ዘለዎ ዕቤት ዜርኢ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ውሉድ እንተ ኣልዩካ፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኣዘራርቦ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሓደስቲ፡ ኣብዛ ኣገዳሲት ወርሒ ምሳና ሓቢሮም ኬገልግሉ ኽንርእስ ኣየ ኽንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ሓያሎ ስሩዓት ፈለምቲ፡ ነቲ ኣብ ዓመት ኪመልእዎ ዚድለ ሰዓታት ምስ መልኡ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዕረፍቲ ዚወስዱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺገብሩ ግና መደባቶም ኬተዓራርዩ ይኽእሉ እዮም። ስድራ ቤታት፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምስ ካልኦት ኰይኖም፡ “ዓው ኢሎም እልል እናበሉ” ብኸመይ ‘ንየሆዋ ኸም ዚውድሱ’ ዚመያየጡሉ እዋን ሕጂ እዩ።—እዝ. 3:11፣ ምሳ. 15:22።
3. ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ወፈራ እንታይ ተስፋ እዩ ዘሎ፧
3 ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ተመሳሳሊ ኣብ ዝዀነ ወፈራታት ተኻፊልና እኳ እንተ ነበርና፡ እዚ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዚግበር ወፈራ ግና ታሪኻዊ ኪኸውን ተስፋ ኣሎና። እሞኸ፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዝለዓለ ቝጽሪ ሰዓታትን ዝለዓለ ቝጽሪ ሓገዝቲ ፈለምትን ይህልወና ደዀን ይኸውን፧ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ክንዛዝም ከለና፡ የሆዋ ነቶም ንወርሒ ነሓሰ ዝዓበየ ምስክርነት ዚውሃበላ ወርሒ ንኺገብርዋ ዚጽዕሩ ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ህዝቡ ኺባርኾም ትምኒትና እዩ።—ማቴ. 24:14።