ምንባብ ንዜጸግሞም ሰባት ብኸመይ ከም እትሕግዞም
1. ምንባብ ንዜጸግሞም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር፡ እንታይ ብድሆ እዩ ዘለዎ፧
1 ምንባብ ዜጸግሞም ሰብ ቤት፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዚግደሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ መጻሕፍትን ግና ኬፍርሆም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትዕድሎም ምፍታን፡ ብዙሕ ዜስልጥ ኣይኰነን። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ኽንሕግዞም እንኽእል፧ ካብ 20 ንላዕሊ ኣብ ዝዀና እተፈላለያ ሃገራት ንዚነብሩ ምኩራት ኣስፋሕቲ እንታይ ከም ዝገበሩ ሓቲትናዮም ኢና። ዝሃብዎ ርእይቶ ድማ ኣብ ታሕቲ ኣቕሪብናዮ ኣሎና።
2. ምንባብ ንዜጸግሞ ሰብ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንምህሮ ዚሕግዛና ጽሑፋት ኣየኖት እየን፧
2 እቲ ተመሃራይ ናይ ምንባብ ክእለቱ ውሱን እንተ ዀይኑ፡ ወይ ድማ ፈጺሙ ኽእለት ዘይብሉ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ በተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ክትጅምረሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሓደ ፈላሚ፡ ነቲ ሰብ፡ ክልቲአን ብሮሹር የርእዮ እሞ፡ ብዝያዳ ነየነይቲ ኸም ዚመርጽ ይሓትቶ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኬንያ፡ እዘን ብሮሹራት እዚአን ኣብ ኬንያ ኣዝየን ውጽኢታውያን ከም ዝዀና ሓቢሩ ኣሎ። ከመይሲ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣፍሪቃ፡ ሰባት ብሕቶን መልስን ብዚግበር ምይይጥ ዘይኰነስ፡ ብዛንታ እዮም ዚምሃሩ። ሓደ ምሁር፡ ንባብን ሕቶን ኪቐርበሉ ኸሎ ብቐሊሉ ይቕበሎ ይኸውን፣ እኹል ትምህርቲ ንዘይረኸበ ሰብ ግና ይኸብዶ ይኸውን። እቲ ተመሃራይ ብእተወሰነ ደረጃ እውን ይኹን ኬንብብ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ብብሮሹር ብስራት ኣምላኽ፡ ወይ ብብሮሹር ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ወይ ከኣ በታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ እዮም ኪጅምሩ ዚደልዩ።
3. ኬንብቡ ንዘይክእሉ ሰባት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንምህሮም፡ ብዛዕባኦም እንታይ ክንፈልጥ ኣሎና፧
3 ንኣዶም፦ ኬንብቡ ዘይክእሉ ሰባት ይሓፍሩ ይዀኑ፡ መብዛሕትኦም ከኣ ርእሰ ተኣማንነት የብሎምን። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሓቂ ንኽትምህሮም፡ መጀመርታ ፍዅስ ከም ዚብሎም ክትገብር ዝሓሸ እዩ። መብዛሕትኦም ኬንብቡ ዘይክእሉ ሰባት፡ መስተውዓልትን ኪመሃሩ ዚኽእሉን እዮም። ብኣኽብሮት ኣዘራርቦም። (1 ጴጥ. 3:15) ጻማ ጻዕሮም ከም ዚረኽቡን መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ ከም ዘለዉን እንተ ፈሊጦም፡ ነቲ መጽናዕቲ ንኪቕጽልዎ ኺድረኹ እዮም። ስለዚ፡ ወትሩ ንኣዶም።
ኬንብቡ ዘይክእሉ ሰባት ይሓፍሩ ይዀኑ፡ መብዛሕትኦም ከኣ ርእሰ ተኣማንነት የብሎምን። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሓቂ ንኽትምህሮም፡ መጀመርታ ፍዅስ ከም ዚብሎም ክትገብር ዝሓሸ እዩ።
4. ነቶም ናይ ምንባብ ክእለቶም ውሱን ዝዀነ ሰባት፡ ነቲ መጽናዕቲ ንኺዳለዉሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
4 እቲ ተመሃራይ ዘለዎ ናይ ምንባብ ክእለት ውሱን እኳ እንተ ዀነ፡ ንመጽናዕቱ ኺዳለወሉ ኣተባብዓዮ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ንተመሃሮኦም ካብቶም ጽቡቕ ገይሮም ኬንብቡ ዚኽእሉ ኣባላት ስድራ ቤቶም ወይ ፈተውቶም ሓገዝ ኪሓትቱ የተባብዕዎም እዮም። ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር ኣስፋሒ፡ ንተመሃሮኡ መጽናዕቲ ኺመርሓሎም ከሎ፡ እተሰመረሉ መልሲ ንኽትረኽቦ ቐሊል ከም ዝዀነ ተገንዚቦም ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ንገሊኡ ሕጡብ ጽሑፋት ንመጽሓፉ እናረኣዩ ኸም ዚምልሱ ይገብሮም። ኣብ ህንዲ ዚነብር ሓደ ሓው ከኣ፡ ኣብቲ ትምህርቲ ንዘሎ ስእልታት ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ንኺርእይዎን ኣቐዲሞም ንኼስተንትኑሉን የተባብዖም።
5. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ትዕግስቲ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ተዓገስ፦ ዝዀነ ይኹን ሕታም ክትጥቀም ከለኻ፡ ኣብ ቀንዲ ነጥብታት ኣተኵር፡ ተመሃራይካ ጽቡቕ ገይሩ ንኺርድኦ ድማ ሓግዞ። ኣብ ፈለማ ኻብ 10 ኽሳዕ 15 ደቒቕ ጥራይ ምምይያጥ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ብዙሕ ነጥብታት ክትሽፍን ኣይትጽዓር። ምናልባት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ሒደት ሕጡብ ጽሑፋት ጥራይ ምምይያጥ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ተመሃራይ ቀስ ኢሉ ዜንብብ እንተ ዀይኑ፡ ተዓገሶ። ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎ ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ናይ ምንባብ ክእለቱ ንኼመሓይሽ ኪድረኽ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዝካ ኣብ ኣኼባታት ንኺመጽእ ዓድሞ።
6. ኬንብቡ ንዘይክእሉ ሰባት ንባብ ንኽንምህሮም ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
6 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እንተ ተማሂሮም፡ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ እዮም። (መዝ. 1:1-3) ሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ ንተመሃሮኦም በታ ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን ዘርእስታ ሕታም ተጠቒሞም ሓጊዞምዎም እዮም። ነዚ ኸኣ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ሒደት ደቓይቕ ብምምዳብ እዮም ዚገብርዎ። እቲ ተመሃራይ ተስፋ እንተ ቘሪጹ፡ ንገለ ኻብቲ ኺገብሮ ዚኽእል ኣቐዲሙ እተመሃሮ ነገራት ጠቒስካ፡ ርእሰ ተኣማንነቱ ኸተማዕብለሉ ትኽእል ኢኻ። ንጻዕርታቱ የሆዋ ኸም ዚባርኸሉ ኣረጋግጸሉ፣ ሓገዝ ምእንቲ ኺረክብ ድማ ኪጽሊ ኣተባብዓዮ። (ምሳ. 16:3፣ 1 ዮሃ. 5:14, 15) ኣብ ብሪጣንያ ዚነብሩ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ንተመሃሮኦም ርትዓውን ቀጻልን ሸቶታት ኬውጽኡ የተባብዕዎም እዮም። እዚ ኸኣ፡ ምናልባት፡ መጀመርታ ነቲ ፊደላት ኪመልክዎ፡ ቀጺሎም እተመርጸ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪግንጽሉን ኬንብቡን፡ ድሕሪኡ ድማ ካብቲ ብቕልል ዝበለ መገዲ እተዳለወ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ብምትብባዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኬንብቡ ንዘይክእሉ ሰባት ንባብ ንኽትምህሮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ከም ዜንብቡ ኣብ ክንዲ እትምህሮም፡ ንኼንብቡ ድሌት ምስ እተሕድረሎም ዝሓሸ ውጽኢት ኣለዎ።
7. ምንባብ ንዜጸግሞም ሰባት ሓቂ ኻብ ምምሃር ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
7 የሆዋ ነቶም እኹል ዓለማዊ ትምህርቲ ዘይረኸቡ ሰባት፡ ኣትሒቱ ኣይርእዮምን እዩ። (እዮ. 34:19) ንሱ ልቢ እዩ ዚምርምር። (1 ዜና 28:9) ስለዚ፡ ነቶም ምንባብ ዜጸግሞም ሰባት ሓቂ ኻብ ምምሃር ድሕር ኣይትበል። ኣብ ፈለማ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ብሉጽ ዝዀነ ሓያሎ ናውቲ ኣሎካ። ቀጺልካ ድማ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምስጋር፡ እቲ ተመሃራይ ብዛዕባ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ምርዳእ ከም ዚህልዎ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።