ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፦ ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰብ ኣይንረክብን ኢና። ይኹን እምበር፡ ህዝባዊ መጕዓዝያ ኽንጥቀም ከለና፡ ኣብ ቦታ ሕክምና ተራ ኽንጽበ ኸለና፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዕረፍቲ ኽንወጽእ ከለና፡ ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ቦታታት ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሰባት ክንረኽቦም ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ኵሎም ሰባት መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ይደሊ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስክርነት ንኽንህብ፡ ባዕልና ዝርርብ ክንጅምር ኣሎና።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን፡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ፡ ዝርርብ ክትጅምር ፈትን።