ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፦ ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 1:7, 8 ዚርከብ ንጹር መምርሒ ኽንስዕቦ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ክንዛረብ ኣገዳሲ እዩ። እሞኸ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ምእንቲ ኽንዛረብ ምትእምማን ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ንመን ክትሰብኽ ከም ዘሎካ ምረጽ። ንኽትዛረብ ትብዓትን ኣጋጣምን ንኽትረክብ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ።