ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/14 ገጽ 2
  • ብዛዕባ 1914 ንዘሎና እምነት ምግላጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ 1914 ንዘሎና እምነት ምግላጽ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣገልግሎትና እትሕግዘና ዓምዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (1ይ ክፋል)
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ‘ስዓቡኒ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 10/14 ገጽ 2

ብዛዕባ 1914 ንዘሎና እምነት ምግላጽ

ቅዱሳት ጽሑፋት ንእምነትና ዚምልከት ‘ምላሽ ንምሃብ እተዳሎና’ ኽንከውን፣ ነዚ ድማ ‘ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን ክንገብሮ’ ኸም ዘሎና የተባብዓና እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) ሓቂ እዩ፡ ንኸም መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ንዜብርህ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንፈልጦ ምግላጽ የጸግመና ይኸውን። ነዚ ምእንቲ ኺሕግዘና ተባሂሉ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ—መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧” ዚብል ክልተ ኽፋል ዘለዎ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን ኣብ ኣገልግሎትና እነበርክቶ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኺወጽእ እዩ። ነዘን ዓንቀጻት ብጥንቃቐ ኽትምርምረን ከለኻ፡ ነቲ ኣብቲ ኣብነት እተጠቕሰ ኣስፋሒ እተጠቕመሉ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ኣብ ግምት ኣእትዎ።

ከመይ ገይሩ እዩ . . .

  • ዜሰማምዖም ሓባራዊ ነጥቢ ንምርካብ ናእዳ እተጠቕመ፧—ግብ. 17:22።

  • ብዛዕባ እምነቱ ኺገልጽ ከሎ ትሕትና ዘርኣየ፧—ግብ. 14:15።

ከምዚ ዚስዕብ ምግባሩ ጽቡቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ተወሳኺ ነጥብታት ቅድሚ ምሃቡ፡ ጸጸኒሑ ጽማቝ ሓሳባት የቕርብ ምንባሩ።

  • ሓሓሊፉ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ብምግባር፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ኺገልጸሉ ዝጸንሐ ሓሳባት ተረዲእዎ እንተ ዀይኑ ምሕታቱ።

  • ኣብ ሓደ ምይይጥ ብዙሕ ነጥብታት ኪሽፍን ዘይምፍታኑ።—ዮሃ. 16:12።

እቲ ‘መምህርና’ ዝዀነ የሆዋ፡ ጽምኢ ሓቂ ንዘለዎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዕምቈት ዘለዎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንገልጸሎም ከም እንኽእል ስለ ዝመሃረና ኣዚና ኢና እነመስግኖ።—ኢሳ. 30:20።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ