ብዛዕባ 1914 ንዘሎና እምነት ምግላጽ
ቅዱሳት ጽሑፋት ንእምነትና ዚምልከት ‘ምላሽ ንምሃብ እተዳሎና’ ኽንከውን፣ ነዚ ድማ ‘ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን ክንገብሮ’ ኸም ዘሎና የተባብዓና እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) ሓቂ እዩ፡ ንኸም መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ንዜብርህ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንፈልጦ ምግላጽ የጸግመና ይኸውን። ነዚ ምእንቲ ኺሕግዘና ተባሂሉ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ—መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧” ዚብል ክልተ ኽፋል ዘለዎ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን ኣብ ኣገልግሎትና እነበርክቶ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኺወጽእ እዩ። ነዘን ዓንቀጻት ብጥንቃቐ ኽትምርምረን ከለኻ፡ ነቲ ኣብቲ ኣብነት እተጠቕሰ ኣስፋሒ እተጠቕመሉ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ኣብ ግምት ኣእትዎ።
ከመይ ገይሩ እዩ . . .
ከምዚ ዚስዕብ ምግባሩ ጽቡቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ተወሳኺ ነጥብታት ቅድሚ ምሃቡ፡ ጸጸኒሑ ጽማቝ ሓሳባት የቕርብ ምንባሩ።
ሓሓሊፉ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ብምግባር፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ኺገልጸሉ ዝጸንሐ ሓሳባት ተረዲእዎ እንተ ዀይኑ ምሕታቱ።
ኣብ ሓደ ምይይጥ ብዙሕ ነጥብታት ኪሽፍን ዘይምፍታኑ።—ዮሃ. 16:12።
እቲ ‘መምህርና’ ዝዀነ የሆዋ፡ ጽምኢ ሓቂ ንዘለዎም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዕምቈት ዘለዎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንገልጸሎም ከም እንኽእል ስለ ዝመሃረና ኣዚና ኢና እነመስግኖ።—ኢሳ. 30:20።