ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዝራ 1-5
የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸይፈጸሞ ኣይተርፍን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
የሆዋ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚመልስ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ግና፡ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብኡ ድማ፡ እቲ ህንጸት ደው ኪብል ዚእዝዝ ንጉሳዊ ትእዛዝ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ከኣ እቲ ዕዮ ዘይዛዘም ኰይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ።