ዳዊት፡ ምሕረት የሆዋ ንምግላጽ ስእላዊ ዘረባ ተጠቕመ።
-
103:11
ከምቲ ኣብ መንጎ እቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ንዘሎ ርሕቀት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል፡ ነቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እውን ክንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና
-
103:12
ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ኸምኡ ገይሩ እዩ ዜርሕቖ
-
103:13
ከምቲ ሓደ ኣቦ ንእተጐድአ ወዱ ዚርሕርሓሉ፡ የሆዋ እውን ነቶም እተነስሑ እሞ ብሰሪ ሓጢኣቶም እተደቝሱ ሰባት ይምሕሮም እዩ