ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ሕዳር ገጽ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽኢላ ሰበይቲ ይገልጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽኢላ ሰበይቲ ይገልጽ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ሰብኣያ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ሕዳር ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ምሳሌ 27-31

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽኢላ ሰበይቲ ይገልጽ

ምሳሌ ምዕራፍ 31፡ ናብ ንጉስ ልሙኤል ካብ ኣዴኡ እተላእከ ኸቢድ መልእኽቲ ዝሓዘት እያ። እቲ ጥበባዊ ምኽራ ድማ ካብ ሓንቲ ኽኢላ ሰበይቲ እንታይ ኪጽበ ኸም ዘለዎ ምሂርዎ እዩ።

ክኢላ ሰበይቲ እምንቲ እያ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንኣባላት ስድራ ቤታ ምግቢ ትህቦም

31:10-12

  • ተገዛኢት ብምዃን፡ ንውሳነ ስድራ ቤት ዚምልከት ጠቓሚ ሓሳብ ተቕርብ

  • ሰብኣያ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ይኣምና እምበር፡ ንእትገብሮ ነገራት ኵሉ ኸተፍቅዶ ጸቕጢ ኣይገብረላን

ክኢላ ሰበይቲ ትግህቲ እያ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓንቲ ሰበይቲ እኽሊ ትጥሕን

31:13-27

  • ኣባላት ስድራ ቤታ ጽፉፍን ምዕሩግን ክዳውንቲ ምእንቲ ኪኽደኑን ብግቡእ ምእንቲ ኺምገቡን፡ ክትቍጥብን ሚዛናዊ ናብራ ኽትነብርን ትጽዕር

  • መዓልትን ለይትን ኣበርቲዓ ትዓይን ቤታ ትቋመትን

ክኢላ ሰበይቲ መንፈሳዊት እያ

ሓንቲ ሰበይቲ ትጽሊ

31:30

  • ንኣምላኽ ትፈርህን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ትምስርትን

ትፈልጥዶ፧

ቀይሕ ዕንቊ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ይርአ ነበረ። ምልኩዕን ሳሕቲ ዚርከብን ኰይኑ፡ ክትረኽቦ ድማ ኣጸጋሚ ነበረ። ኣብ መዲተራነያንን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ዚርከብ ኣገዳሲ ኣቕሓ ንግዲ ኸኣ እዩ ነይሩ።

ቀይሕ ዕንቊ

መጽሓፍ ቅዱስ ንዕንቊ ምስ ወርቅን ብሩርን ሰፊሮስን ብሓንሳእ ገይሩ ስለ ዚጠቕሶ፡ ዋጋኡ ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ይሕብር።

ቃል ኣምላኽ፡ ዋጋ ኽኢላ ሰበይቲ፡ “ካብ ናይ ኣዕናቝ ኣጸቢቑ ይኸብር” ይብል።—ምሳ 31:10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ