ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መክብብ 1-6
ብዅሉ ጻዕርኻ ተሓጐስ
የሆዋ ብስራሕና ኽንሕጐስ ይደልየና፡ ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ድማ ይምህረና። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስራሕ ቅኑዕ ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎ፡ ዕዮኡ ሓጐስ ኬምጽኣሉ ይኽእል እዩ።
ብስራሕካ ምእንቲ ኽትሕጐስ . . .
ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል
ስራሕካ ንኻልኦት ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ሕሰብ
ኣብ ስራሕካ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር፣ ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ ግና ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካን ኣብ ኣምልኾኻን ኣተኵር