ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 22-24
‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧
የሆዋ ንሰባት ምስ በለስ ኣነጻጸሮም
ኣብ ባቢሎን ካብ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ምሩኻት፡ እቶም እሙናት ከም ጽቡቕ በለስ እዮም ነይሮም
እቲ ዘይእሙን ዝነበረ ንጉስ ጼዴቅያስን ሕማቕ ዝገበሩ ኻልኦትን ከም ሕማቕ በለስ እዮም ነይሮም
‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ንቓል ኣምላኽ ነጽንዖን ንትግብሮን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ‘ንዕኡ ዚፈልጥ ልቢ’ ኺህበና እዩ
ልብና ብቕንዕና ንመርምር፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ንዜእቱ ዝንባለታትን ባህግታትን ድማ ንምሓዎ