ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ንፍቕርኻ ኣይርስዖን እዩ
ነታ የሆዋ ንፍቕርኻ ኣይርስዖን እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ምስ ምድፋእ ዕድመ ዚመጽእ ጸገማት እንታይ እዩ፧
መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ምድፋእ ዕድመ ዚመጽእ ጽቡቕ ባህርይ እንታይ እዩ፧
ብዕድመ እንተ ደፊእካ፡ ዘሌዋውያን 19:32ን ምሳሌ 16:31ን ዜተባብዓኻ ብኸመይ እየን፧
የሆዋ ነቶም ሕጂ ኣገልግሎቶም ውሱን ዝዀነ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧
የሆዋ ብዕድመ ምስ ደፋእና እውን ከይተረፈ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧
ኣረጋውያን ንመንእሰያት ኬተባብዑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓደ ብዕድመ ዚደፍአ ክርስትያን ብኸመይ ኣተባቢዑካ፧