ፋስጋ ንበዓል ዝኽሪ ጽላሎት ዘይከውን እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ መዳያት ፋስጋ ንዓና ትርጉም ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ “ገንሸል ፋስጋና” ኢልዎ ኣሎ። (1ቈረ 5:7) ልክዕ ከምቲ ኣብ መቓን ማዕጾ እተገበረ ደም ገንሸል ህይወት ዘድሓነ፡ ደም የሱስ እውን ህይወት የድሕን እዩ። (ዘጸ 12:12, 13) ብዘይካዚ፡ ዓጽሚ ገንሸል ፋስጋ ኣይስበርን እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ኪቕተሉ ኸለዉ ብልምዲ ኣዕጽምቶም ይስበር እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ኣዕጽምቲ የሱስ ግና ዋላ ሓደ ኣይተሰብረን።—ዘጸ 12:46፣ ዮሃ 19:31-33, 36።