ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 17-18 ኣመስጋኒ ኹን 17:11-18 ካብዚ ፍጻመ እዚ፡ ኣመስጋኒ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ንምሃር፧ ምስጋና ብውሽጥና ኺስምዓና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቓልና እውን ክንገልጾ ኣሎና ልባዊ ዝዀነ መግለጺ ምስጋና፡ ምልክት ክርስትያናዊ ፍቕርን ጽቡቕ ባህርይን እዩ እቶም ንክርስቶስ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ዜግነት፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ንዘለዎ ሰብ ፍቕርን ሞሳን ኬርእዩ ግዴታ ኣለዎም