ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 መጋቢት ገጽ 7
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ክትምህር ከለኻ ቪድዮታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ክለሳ 2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 መጋቢት ገጽ 7
ሓንቲ ሓብቲ ንተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱሳ ቪድዮ ተርእያ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም

ትዕይንታዊ ደገፍ ንኣቓልቦ እቲ ዚርእዮ ይስሕብ፡ ነቲ ዚምሃሮ ኺርድኦን ኪዝክሮን ድማ ይሕግዞ እዩ። እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሆዋ ብዚርአ ነገራት ገይሩ ኣገዳሲ ትምህርትታት ምሂሩ እዩ። (ዘፍ 15:5፣ ኤር 18:1-6) የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር እውን ብትዕይንታዊ ደገፍ ገይሩ ምሂሩ እዩ። (ማቴ 18:2-6፣ 22:19-21) ቪድዮ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ዘሎ ትዕይንታዊ ደገፍ እዩ። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ኽትምህሮም ከለኻ፡ ንቪድዮታት ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ኣብታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ንዚርከብ ትምህርትታት ክንምህር ከለና ምእንቲ ኺሕግዘና ተባሂሉ ዓሰርተ ቪድዮ ተዳልዩ ኣሎ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ኵሉ ኣርእስቲ እተን ቪድዮታት ነቲ ኣብታ ብሮሹር ዚርከብ ብድሙቕ እተጻሕፈ ሕቶታት እዩ ዜመልክት። እቲ ዲጂታዊ ትርጉም ነተን ቪድዮታት መዓስ ከነርእየን ከም ዘሎና ዜዘኻኽረና ሊንክ ኣለዎ። ኣብቲ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዚርከብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንጥቀመሉ እተፈላለየ ሕታማት እውን፡ ሓጋዚ ዝዀነ ኻልእ ቪድዮታት ኣሎ።

ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝኸበዶ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያይጦዶ ኣለኻ፧ ወይ ድማ ተምሃራይካ ምስ ሓደ ፍሉይ ፈተናዶ ይቃለስ ኣሎ፧ በቲ ኣብ jw.org®ን ኣብ ፈነወ JWን ዘሎ ቪድዮታት ጌርካ ንዕኡ ኺጠቕሞ ዚኽእል ነገራት ድለ። ምናልባት ንስኻን ተምሃራይካን ንሓንቲ ኻብተን ቪድዮታት ክትርእዩን ክትመያየጥሉን ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ወወርሒ፡ ሓደስቲ ቪድዮታት ይወጽእ እዩ። ነተን ቪድዮታት ምስ ረኣኻየን፡ ንኻልኦት ክትምህር ከለኻ ብኸመይ ክትጥቀመለን ከም እትኽእል ሕሰብ።

ነቲ ኣብታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ዚርከብ ጽሑፍ ዚሕግዝ ቪድዮታት

  • ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 2

    ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧​​

  • ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 3

    ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧​​

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እትብል ቪድዮ

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧​​

  • የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 4

    የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧​​

  • ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 5

    ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧​​

  • ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 6

    ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧​​

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 7

    መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧​​

  • ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 8

    ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧​​

  • ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 10

    ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧​​

  • ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ እትብል ቪድዮ

    ትምህርቲ 12

    ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧​​

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ