ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ቈረንቶስ 7-9
ንጽል ምዃን ውህበት እዩ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዙሓት ክርስትያናት፡ ንጽል ምዃን ኣገልግሎቶም ንምስፋሕን ፍቕሮም ንምግፋሕን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንምቕራብን ፍሉይ ኣጋጣሚታት ከም ዚኸፍተሎም ኣስተብሂሎም እዮም።
ብ1937 ኣብ ኣውስትራልያ ምስክርነት ንምሃብ እተገብረ ጕዕዞ፣ ብ1947 ካብ ጊልዓድ እተመረቐት ሓብቲ ናብቲ ኣብ መክሲኮ እተመደበትሉ ቦታ ትበጽሕ፣
ኣብ ብራዚል ይሰብኽ፣ ኣብ ማላዊ እተገብረ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ
ንምስትንታን ዚኸውን፦ ንጽል እንተ ዄንካ፡ ንዅነታትካ ኸመይ ጌርካ ብዝበለጸ ኽትጥቀመሉ ትኽእል፧
ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ኣስፋሕቲ፡ ንጽል ንዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኼተባብዕዎምን ኪድግፍዎምን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧