ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 20-22 “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” 21:1-5 የሆዋ ንዅሉ ነገር ከም ዚሕድሶ ኣተስፍዩ። “ሓድሽ ሰማይ”፦ ኣብ ምድሪ ጽድቂ ዜስፍን ሓድሽ ምምሕዳር “ሓዳስ ምድሪ”፦ ንግዝኣት ኣምላኽ ዚግዝኡን ብስርዓታት ጽድቂ ዚነብሩን ሕብረተሰብ ‘ኵሉ ይሕደስ’፦ ኵሉ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ በቲ በብመዓልቱ ዜጋጥም ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኪትካእ እዩ