ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 17-18
ትሑታት ሰብኡት የሰልጥኑን ሓላፍነት ይህቡን
ምኩራት ኣሕዋት ንመንእሰያት ኣብ ዜሰልጥኑሉን ሓላፍነት ኣብ ዚህብሉን እዋን፡ ትሕትናን ፍቕርን ምስትውዓልን የርእዩ እዮም። ብኸመይ፧
ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ተኽእሎ ንዘለዎም ብምሕራይ
ዕዮኦም ንምፍጻም እንታይ ከም ዜድልዮም ብንጹር ብምንጋር
ዜድሊ ገንዘብ፡ ንዋት፡ ወይ ካልእ ሓገዝ ብምሃብ
ንዕቤት እቲ ተምሃራይ ብምክትታልን ኣብ ክእለቱ እምንቶ ኸም ዘለዎም ብምግላጽን
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘እንታይ ሓላፍነት እየ ብሓደራ ኽህብ ዝኽእል፧’