ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 33-34
ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ
ሙሴ ንባህርያት የሆዋ ምርዳኡ፡ ንእስራኤላውያን ብትዕግስቲ ኺሕዞም ሓጊዝዎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ንባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ምስ እንርድኦ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ብምሕረት ዓይኒ ኽንርእዮም ንኽእል ኢና።
“መሓርን ርሕሩሕን”፦ የሆዋ ልክዕ ከምቶም ንደቆም ብፍቕርን ብልባዊ ሓልዮትን ዚግደሱሎም ወለዲ፡ ንኣምለኽቱ ይሓልየሎም እዩ
“ንቝጥዓ ደንጓዪ”፦ የሆዋ ኣገልገልቱ ኺጋገዩ ኸለዉ፡ ይዕገሶምን ኪቕየሩ ግዜ ይህቦምን ነይሩ
“ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ”፦ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮም፡ ምስ ህዝቡ ዘየቋርጽ ድልዱል ርክብ እዩ ዘለዎ
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንምሕረትን ንርሕራሐን የሆዋ ብኸመይ ክቐድሐን እኽእል፧’