ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ግንቦት ገጽ 9
  • ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ናዕቢ እንተ ኣጋጢሙ፡ ድሉው ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ንቝጠባዊ ቕልውላው ተዳሊኻ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ግንቦት ገጽ 9
ሓንቲ ስድራ ቤት ንመሐለውታ ዚኸውን ምግብን ማይን ካልእ ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ተዳሉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ድልው ኩን

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ንፈልጥ ኢና። (2ጢሞ 3:1፣ ማቴ 24:8) ህዝቢ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ እዋናውን ህይወት ዜድሕንን መምርሒ ይረኽቡ እዮም። ምድሓንና ዚምርኰስ፡ ኣብዚ ሕጂ ብተኣዛዝነት እንገብሮ ምድላው እዩ። እዚ ኸኣ መንፈሳውን ኣካላውን ምድላው የጠቓልል።—ሉቃ 16:10።

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል። ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ተሳተፍ። ንግዜኡ ኻብ ኣባላት ጉባኤኻ እኳ እንተ ተፈሊኻ፡ ኣይትሰንብድ። (ኢሳ 30:15) ከመይሲ፡ ካብ የሆዋን ካብ የሱስ ከቶ ኣይተፈለኻን።—od 175 ¶15-17

  • ብኣካላዊ መደይ ተዳሎ፦ ስድራ ቤታት ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓደ መዕቈቢ ኺጸንሓ ስለ ዚኽእላ፡ ብዘይካ እታ ንህጹጽ እዋን እተድሊ ሳንጣ፡ እተወሰነ ምግብን ማይን መድሃኒትን ዜድልየን ካልእ ነገራትን ኬዳልዋ ኣለወን።—ምሳ 22:3፣ g17.5 4, 6

ነታ ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓደ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ።

    ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ካብታ ‘ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ፡ ኣድራሻ፡ ከምኡ እውን ኣባላት ስድራ ቤት ዚራኸቡሉ ቦታ ዚሕብር ካርታ ዜርኢ ስእሊ።

    ምስ ሽማግለታት ጽቡቕ ርክብ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

    • ንህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ ኸነዳሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

    • ኬጋጥም ብዛዕባ ዚኽእል ዓይነት ሓደጋ ዀነ ኣብ ኵሉ እቲ ዅነታት ምይይጥ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ካብታ ‘ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ስእልታት፦ ኣብ ሓደጋ ንዘለዉ እትሕግዘሉ መገድታት። 1. ሓደ ሓው ይጽልየሎም። 2. ሓደ ሓው ኣብ ዕዮ ረድኤት ይሕግዝ። 3. ሓደ ሓው ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወፈያ ይገብር።

    ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እንታይ እዩ፧

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ምድላው ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 እንታይ ትምህርቲ ኽረክብ እኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ