ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓግዞም—ብመንፈሳዊ መዳይ ንርእሶም ኪምግብዋ
ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳዊ ህርፋኖም ኬዕግቡን ብመንፈሳዊ ብሱላት ኪዀኑን፡ ካብቲ ንሕና እንምህሮም ሓቅታት ዝያዳ ኺምሃሩ ኣለዎም። (ማቴ 5:3፣ እብ 5:12–6:2) ብመንፈሳዊ መዳይ ንርእሶም ኪምግብዋ ዚኽእሉ ብኸመይ ምዃኑ እውን ኪምሃሩ ኣለዎም።
ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮም ተምሃሮ ብኸመይ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚዳለዉ ኣርእዮም። (mwb18.03 6) ከምኡ ኺገብሩ ድማ ኣተባብዓዮም። ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ፈለማ ኺጽልዩ ኸም ዘለዎም ምሃሮም። ንዲጂታዊ መጽናዕቲ ናውቲ ብኸመይ ከም ዚረኽብዎን ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉን ኣርእዮም። ኣብ jw.org ኰነ ኣብ ፈነወ JW ዝወጸ እዋናዊ ጽሑፋትን ካልእ ነገራትን ብኸመይ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ግለጸሎም። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኼንብቡ፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ኺዳለዉ፡ ንሕቶታቶም ዚኸውን መልሲ ምርምር ገይሮም ኪረኽቡ፡ በብቝሩብ ሓግዞም። ነቲ ዚምሃርዎ ዘለዉ ኼስተንትኑሉ ሓግዞም።
ነታ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓግዞም—ብመንፈሳዊ መዳይ ንርእሶም ኪምግብዋ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኒታ ንጀድ መጽናዕቲ፡ መልሲ ኻብ ምርካብ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ክትርኢ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧
የሆዋ ንምንዝርና ኪኽልክል መሰል ከም ዘለዎ ንጀድ ዘእመና እንታይ እዩ፧
ንተምሃሮኻ ንኣእምሮኦምን ንልቦምን ብኸመይ ከም ዚምግቡ ምሃሮም
ጀድ ብዛዕባ ምስትንታን ክትርዳእ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧