ክርስትያናዊ ህይወት
“ፍቕሪ . . . ብዓመጻ ኣይትሕጐስን”
ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታቶም ብፍቕሪ እዮም ዚምርሑ። ፍቕሪ፡ “ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ።” (1ቈረ 13:4, 6) ስለዚ፡ ብዕልግናን ዓመጻን ዝመልኦ መዘናግዒታት ነርሕቕ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ዋላ እውን ነቶም ዝጐድኡና፡ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ ኣይንሕጐስን ኢና።—ምሳ 17:5።
ነታ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዘክር—ብዓመጻ ኣይትሕጐስን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ዮናታንን ሳኦልን ከም ዝሞቱ ምስ ፈለጠ ዳዊት እንታይ ተሰሚዕዎ፧
ዳዊት ብዛዕባ ሳኦልን ዮናታንን እንታይ ኢሉ ኣልቀሰ፧
ዳዊት ብሞት ሳኦል ዘይተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧