ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ናይ ፈለማ ምብጻሕa ሕቶ፦ መከራ ኻብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ጥቕሲ፦ ያእ 1:13 ንዚቕጽል፦ መከራ ዚወርደና ስለምንታይ እዩ፧ ተመላሊስካ ምብጻሕb ሕቶ፦ መከራ ዚወርደና ስለምንታይ እዩ፧ ጥቕሲ፦ 1ዮሃ 5:19 ንዚቕጽል፦ ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና እንታይ ይስምዖ፧ a b ነቲ ሕቶን ነቲ ንዚቕጽልን ምስ ኵነታት እቲ ኸባቢኻ ኸተተዓራርዮ ትኽእል ኢኻ።