ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መጋቢት ገጽ 13
  • ኣጠቓቕማ ቪድዮታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣጠቓቕማ ቪድዮታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ቪድዮታት ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎ ጽልዋ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መጋቢት ገጽ 13
ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ሰበይቲ ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ገይራ ነታ “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧—ምሉእ ንውሓት” ቪድዮ ተርእያ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣጠቓቕማ ቪድዮታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመለን ኣርባዕተ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዀና ቪድዮታት ኣለዋና። ነፍሲ ወከፍ እዘን ቪድዮታት ዕላማአን እንታይ እዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ምሉእ ንውሓት) ቪድዮ፡ ሰባት ሃይማኖቶም ብዘየገድስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኬሕድሩ ንምልዕዓል እያ ተዳልያ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ዚርእይዋ ሰባት መልሲ ኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ንምርካብ ይተባብዑ፡ ኣብኡ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን መልስታት ድማ ይረኽቡ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሎም ብኸመይ ከም ዚሓትቱ እውን ትገልጽ እያ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ሓጻር) ቪድዮ ምስታ ምሉእ ንውሓታ ዘለዋ ቪድዮ እትመሳሰል እኳ እንተ ዀነት፡ ብንውሓት ግና ሲሶ እያ። ግዜ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዚነብርሉ ኽሊ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትከውን ትኽእል እያ።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ቪድዮ፡ ሰባት ኣብቲ ብናጻ ዚቐርብ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኬሕድሩ ንምልዓዓል ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ልሙድ ሕቶታትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሎም ብኸመይ ኪሓትቱ ኸም ዚኽእሉን ንምምላስ እያ ተዳልያ።

  • ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ቪድዮ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስና ኸነርእዮም እያ ተዳልያ። እዛ ቪድዮ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ ክልተ ትርከብ እኳ እንተ ዀነት፡ ነታንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ክትመያየጠላ ኸለኻ እውን ከተርእያ ትኽእል ኢኻ። እዛ ቪድዮ ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ተጕልሕ፡ እቲ ተምሃራይ ከጽንዕ ከሎ እንታይ ኪጽበ ኸም ዚኽእል ከኣ ትሕብር።

ነፍሲ ወከፍ እዘን ቪድዮታት ንእተፈልየ ዕላማ እተዳለዋ እኳ እንተ ዀና፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ንሰባት ከተርእየን ወይ ክትሰድደን ትኽእል ኢኻ። ኣስፋሕቲ ምስ እዘን ቪድዮታት ጽቡቕ ገይሮም ኪፋለጡን ኣብ ኣገልግሎቶም ብግቡእ ኪጥቀሙለንን ጽቡቕ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ