ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 1 ገጽ 8-9
  • ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ምጽላይ ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 1 ገጽ 8-9

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ነቲ ብቕንዕና እነቕርቦ ጸሎትና ኺሰምዖ ይደልን ባህ ይብሎን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ጸሎት ኣይኰነን ዚምልሶ። ስለምንታይ፧ ክንጽሊ ኸለና ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ ዘሎና ነገርከ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መምርሒታት ንርአ።

ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለዉ ሰባት ካብ ናይ ጸሎት መጽሓፍ፡ ጸሎት ይደግሙ።

“ክትጽልዩ ኸለኹም፡  . . . ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ።”—ማቴዎስ 6:7።

የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና እተሸምደደ ጸሎት ክንደግም ወይ ካብ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ከነንብብ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ልቢ ኽንዛረብ እዩ ዚደልየና። ፈታዊኻ በብመዓልቱ ሕደ ዓይነት ቃላት እናደጋገመ እንተ ዚዛረበካ፡ ከመይ ከም ዚስምዓካ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ናይ ሓቂ ፈተውቲ ብጋህድን ብቕንዕናን እዮም ዚዘራረቡ። ክንጽሊ ኸለና ናይ ገዛእ ርእስና ቓላት ምስ እንጥቀም፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኸም ፈታዊና ጌርና ኸም እንርእዮ እዩ ዚሕብር።

ሓደ ሰብኣይ ናብ ሰማይ እናጠመተ ሎተሪ ይፍሕቕ።

“ክትልምኑ ኸለኹም ከኣ፡  . . . ብኽፉእ ሓሳብ ስለ እትልምኑ፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።”—ያእቆብ 4:3።

ኣምላኽ ክንገብሮ ወይ ክንውንኖ ዘይደልየና ነገራት ብጸሎት ምስ እንሓትቶ፡ ኪምልሰልና ኸም ዘይንጽበ መቸም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ኻብ ስስዐን ከም ዕድል ካብ ዝኣመሰለ ማሪታዊ እምነትን ክንርሕቕ ብንጹር ኣጠንቂቑና ኽነሱ፡ ሓደ ተጣላዒ ጽቡቕ ዕድል ኪረክብ እንተ ዚልምን፡ ምመለሰሉዶ፧ (ኢሳይያስ 65:11፣ ሉቃስ 12:15) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኪምልሶ ምጽባይ ርትዓዊ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንጸሎትና ኺምልሶ እንተ ደሊና፡ ልማኖና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስርዓታቱ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።

ሓደ ቐሺ ንወተሃደራት ይጽልየሎም።

“ሕጊ ምስማዕ ዚኣቢ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።”—ምሳሌ 28:9።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነቶም ንጽድቃዊ ሕግታቱ ዚነጽጉ ዝነበሩ ሰባት ኣይምልሰሎምን እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 1:15, 16) ኣምላኽ ሕጂ እውን ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) ኣምላኽ ንጸሎትና ኺምልሶ ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብእተኻእለና መጠን ምስ ሕግታቱ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ነገራት ንገብር እንተ ደኣ ኔርናኸ፧ የሆዋ ፈጺሙ ኣይሰምዓናን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። እንተ ተመሊስናን ከነሐጕሶ እንተ ጽዒርናን፡ ኣምላኽ ብፍታው ይቕረ ይብለልና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19።

“እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።”—እብራውያን 11:6።

ሓንቲ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ።

ጸሎት ጭንቀትና ንምህዳእ ጥራይ ኣይኰነን ዚጠቅም። መግለጺ እምነትናን ክፍሊ ኣምልኾናን እዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ “እቲ ዚጠራጠር . . . . ካብ የሆዋ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (ያእቆብ 1:6, 7) ኣብ ኣምላኽ ድልዱል እምነት ምእንቲ ኺህልወና፡ ግዜ ወሲድና መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ክንፈልጦ ንጽዓር። ከምኡ ምግባርና ፍቓዱ ኽንፈልጥን ብእምነት ክንልምኖን ኬኽእለና እዩ።

ኣይትተሓለል!

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዘይምልሶ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ሚልዮናት ሰባት ብቕንዕና ዜቕርብዎ ጸሎት ግና ይሰምዖን ይምልሶን እዩ። ጸሎትካ ንኣምላኽ ባህ ዜብል ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ