ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ኵሉ ዚምነዮ ውሑስ መጻኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵሉ ዚምነዮ ውሑስ መጻኢ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ናብ ውሑስ መጻኢ ዚመርሕ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ሕያዋይ ሰብ ምዃን ውሑስ መጻኢ ኸም እትረክብ ይገብር ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ትምህርትን ገንዘብን ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ኺገብር ይኽእል ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 3 ገጽ 3
ወለዲ ምስ ንእሽቶ ጓሎም ኣብ ኦም ቸሪ ንዘሎ ዕምባባታት የድንቑ።

ኵሉ ዚምነዮውሑስ መጻኢ

ከመይ ዝበለ መጻኢ ኢኻ እትምነ፧ መሸም ከም መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንስኻ እውን ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ሓጐስ፡ ጽቡቕ ጥዕና፡ ሰላም፡ ብልጽግና ዘለዎ ውሑስ መጻኢ ኸም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ዚምነይዎ መጻኢ ዚረኽብዎ እንተ ዀይኖም ይጠራጠሩ እዮም። ከመይሲ፡ ብሰንኪ ኸም ለበዳ ኮቪድ 19 ዝኣመሰለ ዘይተጸበይዎ ሃንደበታዊ ዅነታት፡ ማሕበራዊ ናብራ ኣንቈልቊሉ፡ ቍጠባዊ ቕልውላው ኣጋጢሙ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ መጻኢኦም ውሑስ ኪኸውን ከም ዘይክእል ይስምዖም እዩ።

ከምዚ ዓይነት ዜስግእ ነገራት፡ ሰባት ናብ ዝሓሸ መጻኢ ዚመርሖም ነገር ከም ዚደልዩ ገይርዎም እዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ኣብ ከም ዕድል ዝኣመሰለ ዘይርአ ሓይሊ ይኣምኑ እዮም። ሓያሎ ሰባት ድማ ዚደለይዎ ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ስለ ዚሓስቡ ደድሕሪ ትምህርትን ሃብትን ይስዕቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ ጽቡቕ ህይወት ንምምራሕ፡ ሕያዋይ ሰብ ምዃን ከም ዜድሊ ይሓስቡ እዮም።

ገለ ኻብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣማራጺታት፡ ናብ እትደልዮ መጻኢ ዚመርሓካ ድዩ፧ ነዚ ንምፍላጥ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት መርምረን፦

  • ንመጻኢኻ ብሓቂ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧

  • ትምህርትን ገንዘብን ጽቡቕ ህይወት ክትረክብ ውሕስነት ይዀነካ ድዩ፧

  • ሕያዋይ ሰብ ምዃን ውሑስ መጻኢ ኽትረክብ የኽእለካ ድዩ፧

  • ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ዜተኣማምን መምርሒ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት ክትረክብ ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ