ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ጥሪ ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ ምጥቃም ጌጋ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት
    መለኮታዊ ስም
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ጥሪ ገጽ 31
ስም ኣምላኽ እተጻሕፎ እምኒ።

ኣብ እምኒ ዚርከብ ጽሑፍ፦ “ሓጋፍ ወዲ ሓጋብ ብየሆዋ ጻባኦት ይረገም”

ትፈልጥዶ፧

ሓደ ጥንታዊ ስነ ጽሑፍ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፍ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ቤተ መዘክር ባይብል ላንድስ፡ 700-600 ቅ.ክ. ዝዕለቱ ጽሑፍ ዘለዎ እምኒ ኣሎ። እቲ እምኒ ኻብታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ኬብሮን ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ መቓብር ኰይኑ ዜገልግል በዓቲ እዩ ተረኺቡ። እቲ ጽሑፍ፡ “ሓጋፍ ወዲ ሓጋብ ብየሆዋ ጻባኦት ይረገም” ይብል። እዚ ጽሑፍ እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፍ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ እቲ ብጥንታዊ ፊደላት እብራይስጢ የሀወሀ ተባሂሉ ዚጽሓፍ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ዚፍለጥን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝውቱርን ምንባሩ ይሕብር። ኣብቲ በዓቲ እቲ እተረኽበ ካልእ ጽሑፋት ድማ፡ እቶም ኣብኡ ዚራኸቡን ዚሕብኡን ዝነበሩ ሰባት ንስም ኣምላኽ ኰነ ስም ኣምላኽ ንዘለዎ ብሕታዊ ስማት ኣብቲ መናድቕ ኣዘውቲሮም ይጽሕፉ ምንባሮም ይሕብር።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅያ እትዓዪ ዶ/ር ሬቸል ናቡልሲ ብዛዕባ እዚ ጽሑፋት እዚ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ፦ “ነቲ የሀወሀ ዚብል ስም ብተደጋጋሚ ምጥቃሞም ኣገዳሲ እዩ። . . . እቲ ጽሑፋት፡ የሀወሀ ኣብ ህይወት እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ኣገዳስነት እዩ ዜርኢ።” እዚ ድማ፡ ነቲ ስም ኣምላኽ የሀወሀ ብዚብል ፊደላት እብራይስጢ ብኣሽሓት ግዜ ዚርከበሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ መለኮታዊ ስም ኣብ ብሕታዊ ስም ተጠቓሊሉ ይርከብ እዩ።

ኣብቲ እምኒ እተረኽበ፡ “ያህወህ ጻባኦት” ዚብል ጽሑፍ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ማለት እዩ። እዚ ድማ፡ ስም ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል መጸውዒ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ልሙድ ምንባሩ ይሕብር። እዚ ኸኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ይድግፍ እዩ። ከመይሲ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል ሓረግ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 283 ሳዕ ይርከብ እዩ፣ መብዛሕትኡ እውን ኣብ ጽሑፋት ኢሳይያስን ኤርምያስን ዘካርያስን እዩ ዚርከብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ