ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ንጸሎተይ ኣቕሊቡሉ
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ፡ ምሸት ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ኸዋኽብቲ ምሊሕ ምሊሕ ኪብሉ ምስ ረኣኹ፡ ተምበርኪኸ ጸለኹ። ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ዝፈልጥ ነዊሕ ዘይገበርኩ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዜተሓሳስበኒ ነገር ገለጽኩሉ። በቲ ጸሎተይ እቲ ኣቢለ ድማ ምስቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝቐጸለ ጕዕዞ ጀመርኩ። (መዝ. 65:2) ንኣምላኽ ምስ ፈለጥክዎ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ስለምንታይ ናብኡ ኸም ዝጸለኹ እስከ ኸዘንትወልኩም።
ንህይወተይ ዝቐየረ ምብጻሕ
ኣብታ ኖቪል እትብሃል ጥቓ ባስቶን ኣብ በልጅዩም እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት ብ22 ታሕሳስ 1929 እየ ተወሊደ። ብቝልዕነተይ ምስ ወለደይ ኣብቲ ሕርሻ ጽቡቕ ተዘክሮ እየ ኣሕሊፈ። ኣነን ረይሞን ዝስሙ ምንኣሰይ ሓወይን መዓልቲ መዓልቲ ንኣሓና ብኣእዳውና ንሓልበን ነበርና፡ ምህርቲ ኺሕፈስ ከሎ እውን ንሕግዝ ነበረና። ኣብታ ንእሽቶ ቍሸትና ንሓድሕድና እናተሓጋገዝና ኢና እንዓዪ ዝነበርና።
ብስድራ ቤት ኣብ ሕርሻ እናዓየና
ኤሚልን ኣሊስን ዚብሃሉ ወለድና ውፉያት ካቶሊክ እዮም ነይሮም። ሰንበት ሰንበት ናብ ቅዳሰ ይኸዱ ነይሮም እዮም። ብ1939 ኣቢሉ ግና፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ቍሸትና ዝመጹ ፈለምቲ ንኣቦይ ኮንትራት መጽሔት ኮንሶሌሽን (ሕጂ ንቕሑ! እትብሃል) ኪኣቱ ዕድመ ኣቕረቡሉ። ኣቦይ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ቐልጢፉ ስለ እተረድኦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ጀመረ። ናብ ቅዳሰ ምኻድ ምስ ሓደጎ፡ እቶም ጥዑማት ዝነበሩ ጐረባብትና፡ ሕሱማት ተጻረርቲ ዀኑ። ንኣቦይ ካብ ካቶሊክ ከይወጽእ ጸቕጢ ኺገብሩሉ ጸዓሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሕ ይካትዑ ነበሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ዝወረደ ብርቱዕ ጸቕጢ፡ ኣዝዩ እዩ ኣጕህዩኒ። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምርካብ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ። ድሕርዚ፡ ተቓውሞ ጐረባብትና ምስ ነከየ፡ ልበይ ብሓጐስ ተመልአ። የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” ምዃኑ ኣመንኩ።
ብግዜ ውግእ ዝነበረ ህይወት
ንጀርመን ዚገዝእ ዝነበረ ስርዓት ናዚ ብ10 ግንቦት 1940 ንበልጅዩም ወረራ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ሲቭል ካብ ዓዶም ተመዛበሉ። ንሕና እውን ብስድራ ቤት ናብ ደቡባዊ ፈረንሳ ሃደምና። ኣብ መገዲ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጀርመንን ሓይልታት ፈረንሳን ዚግበር ብርቱዕ ውግእ ኣጓነፈና።
ናብ ሕርሻና ምስ ተመለስና፡ መብዛሕትኡ ንብረትና ተዘሪፉ ጸንሓና። ቦቢ ኸልብና ጥራይ እዩ ተሓጒሱ እተቐበለና። እዚ ኸኣ፡ ‘ውግእን ሕሰምን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢለ ኸም ዝሓስብ ገበረኒ።
መንእሰይ ከለኹ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኣማዕበልኩ
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብቲ ኤሚል ሽራንትዝa ዚብሃል እሙን ፈላሚ ሽማግለ ዝገበረልና ምብጻሕ ብዙሕ ተጠቒምና ኢና። ስለምንታይ መከራ ኸም ዘሎ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ገይሩ ገለጸልና፡ ብዛዕባ ህይወት ንዝነበረኒ ኻልእ ሕቶታት እውን መለሰለይ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ የሆዋ ዝጠበቐ ርክብ ኣማዕበልኩ፡ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ምዃኑ እውን ኣመንኩ።
እቲ ውግእ ገና ኸየብቅዐ እኳ፡ ምስ ኣሕዋት ስሩዕ ርክብ ክንገብር ጀመርና። ኣብ ነሓሰ 1943፡ ሓውና ጆሴ-ኒኮላስ ሚኔ ናብ ሕርሻና መጺኡ መደረ ኣቕረበልና። “መን ኪጥመቕ ይደሊ፧” ኢሉ እውን ሓተተና። ኣቦይ ኢዱ ሓፍ ኣበለ፡ ኣነ እውን ኢደይ ሓፍ ኣበልኩ። ጥቓ ሕርሻና ኣብ ዚርከብ ርባ ኸኣ ተጠመቕና።
ኣብ ታሕሳስ 1944፡ ሰራዊት ጀርመን ኣብ ምዕራባዊ ግንባር ናይ መወዳእታ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣብ ጥቓ እቲ ዓውዲ ዂናት ንነብር ስለ ዝነበርና፡ ንወርሒ ዚኸውን ኣብቲ ትሕቲ ምድሪ እተሰርሐ መኽዘን ተዓቘብና። ሓደ መዓልቲ ንእንስሳታትና ምግቢ ንምሃብ ምስ ወጻእኩ፡ መድፍዕ ነቲ ሕርሻና ወቕዖ፡ ንናሕሲ እቲ እንዳ ሓሰር ድማ ኣፍረሶ። ሽዑ፡ ኣብቲ ደምበ ዝነበረ ወተሃደር ኣመሪካ፡ “በጥ በል!” ኢሉ ጨደረ። ኣነ ኸኣ ጐይየ ኸይደ ኣብ ጥቓኡ በጥ በልኩ፣ ንሱ እውን ኣነ ምእንቲ ኸይጕዳእ ኢሉ ቝራዕ ርእሱ ኣብ ርእሰይ ገበረለይ።
መንፈሳዊ ዕቤት
ኣብ መዓልቲ መርዓና
ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ኣብ ሊዥ ምስ እትርከብ ጉባኤ ስሩዕ ርክብ ጀመርና። ሊዥ ካባና ብሰሜን ኣስታት 90 ኪሎ ሜተር (56 ማይል) ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣብ ባስቶን ንእሽቶ ጕጅለ መጽናዕቲ ቘመት። ኣነ ድማ ኣብ ምምሕዳር ግብሪ ኽሰርሕ ጀመርኩ፡ ሕጊ ኸጽንዕ እውን ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ብ1951 ኣብ ባስቶን ንእሽቶ ኣኼባ ወረዳ ገበርና። ኣብቲ ኣኼባ ኣስታት ሚእቲ ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ። ኤሊ ሮይተር ዝስማ ብቕንኣት እተገልግል ፈላሚት እውን ኣብቲ ኣኼባ ነበረት። ኣብቲ ኣኼባ ኽትእከብ ኢላ፡ 50 ኪሎ ሜተር (31 ማይል) እያ ብብሽክለታ ተጓዕዛ መጺኣ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ተፋቐርና፡ ድሕሪኡ እውን ተሓጸና። ኤሊ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክትምሃር ዕድመ ቐሪቡላ ነይሩ እዩ። ንሳ ድማ ነቲ ዕድመ እቲ ኽትቅበል ዘይትኽእለሉ ምኽንያት ብምግላጽ፡ ናብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ጸሓፈት። እቲ ሽዑ ኣብ ህዝቢ የሆዋ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ሓውና ኖር ከኣ፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ ምስ ሰብኣያ ኣብ ጊልዓድ ክትምሃር ከም እትኽእል ብምጥቃስ ጽቡቕ ምላሽ ጸሓፈላ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ ለካቲት 1953 ተመራዓውና።
ኤሊን ወድና ሰርዥን
በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣነን ኤሊን ኣብቲ ኣብ ስታድዩም ያንኪ፡ ኒው ዮርክ እተገብረ “ሕብረተ ሰብ ሓዳስ ዓለም” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከብና። ኣብኡ ኸለና፡ ሓደ ሓው ጽቡቕ ስራሕ ኣቕረበለይ፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽንግዕዝ እውን ሓተተኒ። ኣነን ኤሊን ብዛዕባ እቲ ነገር ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላይ፡ ነቲ ዝቐረበልና ኽንሓድጎ፡ ናብ በልጅዩም ተመሊስና እውን ነታ ዓሰርተ ዚዀኑ ኣስፋሕቲ ዝነበርዋ ኣብ ባስቶን እትርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ኽንድግፍ ወሰንና። ንዓመታኡ ሰርዥ ኢልና ዝሰየምናዮ ወዲ ወለድና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሰርዥ ኣብ ሸውዓተ ወርሑ ሓሚሙ ሞተ። ሽዑ ሓዘንና ብጸሎት ንየሆዋ ገለጽናሉ፡ በቲ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤ እውን ተጸናናዕና።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት
ኣብ ጥቅምቲ 1961፡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ዜኽእለኒ ስራሕ ረኸብኩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ካብቲ ኣብ በልጅዩም ዜገልግል ኣገልጋሊ ጨንፈር ተሌፎን ተደወለለይ። ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “ነዚ ዕዮ እዚ ቕድሚ ምቕባልና፡ ፈለምቲ ዄንናዶ ኸነገልግል፧” ኢለ ሓተትክዎ። ከምቲ ሕቶይ ከኣ ተፈቕደለይ። ንሸሞንተ ወርሒ ፈለምቲ ዄንና ምስ ኣገልገልና፡ ኣብ መስከረም 1962 ዕዮ ወረዳ ጀመርና።
ካብቲ ዕዮ ወረዳ ዝጀመርናሉ ኽልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ኣብቲ ኣብ ብራስልስ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብ ጥቅምቲ 1964 ኣብኡ ኸነገልግል ጀመርና። እዚ ሓድሽ ምድብ፡ ብዙሕ በረኸት እዩ ኣምጺኡልና። ሓውና ኖር ብ1965 ንቤት-ኤልና ደድሕሪ ምብጻሑ፡ ከይተጸበኽዎ ኣገልጋሊ ጨንፈር ኰይነ ተሸምኩ። ድሕርዚ፡ ኣነን ኤሊን ኣብ መበል 41 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንምሃር ተዓደምና። ከምቲ ሓውና ኖር ቅድሚ 13 ዓመት እተዛረቦ ዀነ! ድሕሪ ምረቓ፡ ናብ ናይ በልጅዩም ቤት-ኤል ተመለስና።
ምእንቲ ሕጋዊ መሰልና ምጥባቕ
ንሓያሎ ዓመታት፡ እቲ ኣብ ሞያ ሕጊ ዝነበረኒ ፍልጠት፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ካልእ ዓድታትን ንሓርነት ኣምልኾ ንምጥባቕ ሓጊዙኒ እዩ። (ፊል. 1:7) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ወይ እተኣገደሉ 55 ሃገራት ምስ ዚርከቡ ሰበ ስልጣን ክራኸብ ነይሩኒ። ንዓታቶም ድማ ኣብ ሞያ ሕጊ ዘሎኒ ተመክሮ ጠቒሰ ኣብ ክንዲ ዝፋለጦም፡ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” ኢለ እየ ዝላለዮም ነይረ። ወትሩ ብጸሎት ካብ የሆዋ መምርሒ እደሊ እየ። ስለምንታይሲ፡ ነቲ፡ “ልቢ ንጉስ [ወይ ዳኛ] ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ወሓይዝ ማይ እዩ። ናብ ባህ ዝበሎ የቕንዖ” ዚብል ቃላት ኣይርስዖን እየ።—ምሳ. 21:1።
ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ምስ ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ዝገበርክዎ ርክብ፡ ፍሉይ ጦብላሕታ ሓዲጉለይ እዩ። ምስኡ ንምዝርራብ ተደጋጋሚ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራበይ፡ ኣብ መወዳእታ ኺረኽበኒ ፍቓደኛ ዀነ። “ሓሙሽተ ደቒቕ ሂበካ ኣለኹ፣ ሓንቲ ደቒቕ እውን ከይተሕልፍ” በለኒ። ሽዑ፡ ርእሰይ ኣድኒነ ኽጽሊ ጀመርኩ። እቲ ኣባል ባይቶ ኸኣ ሰምቢዱ እንታይ እገብር ከም ዘለኹ ሓተተኒ። ቅንዕ ብምባል፡ “ንስኻ ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ብምዃንካ፡ ንኣምላኽ እየ ኣመስጊነ” ኢለ መለስኩሉ። ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ማለትካ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ሮሜ 13:4 ኣርኣኽዎ። ፕሮተስታንት ስለ ዝነበረ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኣቓልቦኡ ሰሓበቶ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ ድሕርዚ፡ ፍርቂ ሰዓት ሃበኒ፡ ዕዉት ልዝብ ድማ ገበርና። ንዕዮና ዘለዎ ኣኽብሮት ከኣ ገለጸለይ።
ህዝቢ የሆዋ ምስ ክርስትያናዊ ገለልትነትን ምስ መጕዚነት ውሉድን ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብዙሕ ሕጋዊ ቓልስታት ገይሮም እዮም። ኣነ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ምስታፍን የሆዋ ብኸመይ ዓወት ከም ዝሃበና ብቐረባ ናይ ምርኣይን ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ልዕሊ 140 ጕዳያት ተዓዊቶም እዮም!
ኣብ ኩባ ዝያዳ ናጽነት ረኸብና
ኣብ 1990ታት፡ ኣብታ ክርስትያናዊ ዕዮና ቐይዲ ተገይሩሉ ዝነበረ ኩባ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ዝያዳ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምምጻእ፡ ምስቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዜገልግል ሓውና ፊሊፕ ብራምሊን ኣብ ጣልያን ዜገልግል ሓውና ቫልተር ፋርነቲን ብሓባር ዓየኹ። ኣብ በልጅዩም ናብ ዚርከብ ኢምባሲ ኩባ ደብዳበ ጸሓፍኩ፣ ምስቲ ነቲ ሕቶና ኺሕዞ እተመደበ በዓል ስልጣን እውን ተራኸብኩ። ኣብ ናይ መጀመርታ ርክብና፡ ነቲ ናብቲ ቐይድታት ዝመርሐ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ብዙሕ ኣይተጕዓዝናን።
ኣብ ሓደ ኻብቲ ብ1990ታት ናብ ኩባ ዝኸድናሉ እዋናት ምስ ፊሊፕ ብራምሊን ቫልተር ፋርነቲን
ብጸሎት ካብ የሆዋ መምርሒ ድሕሪ ምድላይ፡ 5,000 መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኩባ ንምልኣኽ ሕቶ ኣቕረብና፡ ፍቓድ ድማ ተዋህበና። እቲ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣሕዋት በጽሐ፣ ስለዚ፡ የሆዋ ንዕዮና ይባርኾ ኸም ዘሎ ደምደምና። ድሕሪኡ፡ 27,500 ተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ንምልኣኽ ፍቓድ ሓተትና። እዚ እውን ተፈቕደልና። ኣብ ኩባ ንዚነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሕታዊ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ምሕጋዝ፡ ብዙሕ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡለይ።
ምስ ዕዮና እተተሓሓዘ ሕጋዊ ዅነታት ንምምሕያሽ፡ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ናብ ኩባ ኸይደ እየ። ስለዚ ድማ፡ ምስ ብዙሓት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ጽቡቕ ርክብ ክምስርት ክኢለ እየ።
ኣብ ሩዋንዳ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ምሕጋዝ
ብ1994፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ብእተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ልዕሊ 1,000,000 ሰባት ሃለቑ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተቐትሉ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንገሊኦም ኣሕዋት፡ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ረድኤት ኪውድቡ ሕቶ ቐረበሎም።
ናብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኪጋሊ ምስ በጻሕና፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን እቲ መኽዘን ጽሑፋትን ብጠያይት መንፊት ኰይኑ ጸንሓና። ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብጎዞሞ እተቐትሉሉ ብዙሕ ዜሕዝን ዛንታታት ሰማዕና። እንተዀነ ግና፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ዘርኣዩሉ ዛንታታት እውን ሰማዕና። ንኣብነት፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ኣብ ጕድጓድ ን28 መዓልቲ ሓቢኦም ምስ ዘድሓንዎ ኻብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነ ሓውና ተራኸብና። ኣብ ኪጋሊ ኣብ እተገብረ ኣኼባ፡ ንልዕሊ 900 ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳዊ ምጽንናዕ ሃብናዮም።
ጸጋም፦ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ብጥይት እተወቕዐት መጽሓፍ
የማን፦ ምስ ዕዮ ረድኤት እተተሓሓዘ ነገር እናዓየና
ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ጎማ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ንዝሃደሙ ብዙሓት ሩዋንዳውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምርካብ፡ ዶብ ሰጊርና ናብ ዛየር (ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ) ከድና። እንተዀነ ግና፡ ክንረኽቦም ኣይከኣልናን፣ ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ጸለና። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሰብ ናባና ኺመጽእ ረኣናዮ፣ ንዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ ሓተትናዮ። ንሱ ድማ፡ “እወ፡ ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እየ። ናብ ኮሚተ ረድኤት ክወስደኩም እኽእል እየ” ኢሉ መለሰልና። ምስ ኮሚተ ረድኤት ሃናጺ ኣኼባ ድሕሪ ምግባርና፡ ምስ ኣስታት 1,600 ስደተኛታት ኣኼባ ብምግባር መንፈሳዊ ምጽንናዕን ምትብባዕን ሃብናዮም። ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ እውን ኣንበብናሎም። ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ፡ “ብቐጻሊ ንጽልየልኩም ኣለና። የሆዋ ኸም ዘይሓድገኩም ንፈልጥ ኢና” ዚብል ቃላት ልቦም ተተንከየ። እቲ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከ ቓላት ሓቂ እዩ ነይሩ። ሎሚ፡ ኣብ ሩዋንዳ ልዕሊ 30,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብታሕጓስ የገልግሉ ኣለዉ!
ብተኣማንነት ንምቕጻል ቈሪጸ ኣለኹ
ካብ እንምርዖ ዳርጋ 58 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ እታ ዝፈትዋ ሰበይተይ ኤሊ ብ2011 ሞተት። ሓዘነይ ንየሆዋ ብጸሎት ምስ ገለጽኩሉ፡ ንሱ ኣጸናኒዑኒ እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብምንጋር እውን እጸናናዕ እየ።
ኣብ 90ታት ዕድመይ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሰሙን ሰሙን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እሳተፍ እየ። ኣብ በልጅዩም ንዚርከብ ክፍሊ ሕጊ ምሕጋዝ፡ ተመክሮይ ንኻልኦት ምክፋል፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ምጕሳይ እውን የሐጕሰኒ እዩ።
ካብ ሎሚ 84 ዓመት ይገብር እየ ናብ የሆዋ ናይ መጀመርታ ጸሎተይ ኣቕሪበ። ካብ ሽዑ ንነጀው ናብኡ እናቐረብኩ እየ ኸይደ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ፡ የሆዋ ንጸሎተይ ስለ ዘቕለበሉ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።—መዝ. 66:19።b
a ታሪኽ ህይወት ሓውና ሽራንትዝ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1973 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ገጽ 570-574 ተሓቲሙ ኣሎ።
b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ፡ ሓውና ማርሰል ጂሌ ብ4 ለካቲት 2023 ሞተ።